ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ከምዝዝቲ ተሓቢሩ።

እቲ ሎሚ ክቃናዕ ትጽበት ዝተገብረሉ ኣኼባ ብእዋናዊት ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ሃገረ ሜክሲኮ ዝተጸውዐ ኮይኑ፣ ብተወከልቲ ሃገራት ኣየርላንድ፣ ኒጀር፣ ኬኒያ፣ ሴንት ቪንሴንትን ግሬናዲንስ ምሉእ ድጋፍ ከምዝረኸበ ተፈሊጡ።

እቲ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዂናት ካብ ዝጅመር ኣብ ዝነበረ ሓደ ዓመት ንመበል 11 ግዜ ዝሳለጥ እዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፈ 10 ኣኼባታቱ እዙይ ዝብሃል መሰረታዊ ለውጢ ዘምፅእ ውሳነ ሂቡ ዘይፈልጥ እኳ እንተኾነ ነቲ ዘሎ ቕልውላው ኣፍልጦ ሂቡ ንመበል 11 ግዘ ምዝታዩ ከም ሓደ ቁውምነገር ከምዝሕሰብ ተዓዘብቲ ይገልፁ።

እቲ ኣኼባ ሎሚ ጥቅሚ 26 ድሕሪ ሰዓት ከምዝግበር ምንጭታትና ዝሓበሩ ኮይኖም እዚ ዜና ክሳብ ዝተፅሓፈሉ እዋን ዘተ ዘይተጀመረ ከምዝነበረን እንታይ ምኽረ-ሓሳባትን ውሳነታትን ከምዝተመሓላለፉ ንምፍላጥ ኣይተኻእለን።

እንተኾነ ግን ሰራዊት ትግራይ ብዘካይዶ ዘሎ ገስጋሳይ ባህሪ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናቐረበ ምኻዱ ሓደ ዓብይ ኣጀንዳ እቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኮይኑ ከምዝቐነየ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ጥንካረ ሰራዊት ትግራይ ተታሒዙን ኣብ መንጎ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞን ሰራዊት ትግራይን ዝተጀመረ ብሓባር ኮይንካ ናይ ምጥቃዕ ሜላ፣ ንብዙሓት ትካላትን ሃገራትን ካብ ምድቃሰን ኣበራቢርወን ይርከብ።

ዓመት ሙሉእ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጨፍጫፍ እንትፍጸም ኲናት ጠጠው ይበል ኢለን ዘይፈልጡ ከም እኒ ሕብረት ኣፍሪቃ ፣ በይነ-መንግስታት ቀርኒ ኣፍሪካ-ኢጋድ እንከይተረፈ ሕዚ ኲናት ጠጠው ይበል ኢሎም ይሸባሸቡ ኣለዉ። ናይ ክልቲኦም ሓይልታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምፅጋዕ ንብዙሓት ኣሰምቢዱን ከምኒ ኣውሮፓ ሕብረትን ኣሜሪካን እውን ብፍሉይ ክርእይኦ ገይርወን ይርከብ።

ኣብዚ ኸይዲ እዙይ ትሽዓተ ሓይልታት ዝሓቖፈ ‘’ግንባር ሓይልታት ፌደራላውያንን ኮንፈደራላውያንን’’ ዝብሃል ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ፈለማ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ውዕል ከምዝኣሰረን ብዛዕባ ምስረታ ሰላማዊ ስግግር መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝዝትን ኣፍሊጡ ኣሎ።