ብቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ንትግራይ ኣመልኪቶም ዘውፅኡዎ ፀብፃብ ነቲ ዝተፈፀመ ገበናት ዘንፀባርቕ ከምዘይኮነ ዳይሬክተር ‘ሁይማን ራይትስ ዎች’ ቀርኒ ኣፍሪቃ ላቲሺያ ባድር ኣፍሊጣ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሰባት ብሃንቀውታ እንዳተፀበይዎ ዝፀንሑ ፀብፃብ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ መጀመርታ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ክፍፀም ኢልካ ዘይሕሰብን ገሊኦም ገበናት ኲናት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ሁይማን ራይትስዎች ዳይሬክተር ቀርኒ ኣፍሪቃ ላቲሺያ ባደር ገሊፃ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ከም ጅምላዊ ቅትለት፣ ፆታዊ ዓመፅ፣ ስቓይ፣ ብሓይሊ ምምዝባል፣ ጅምላዊ ማእሰርቲ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን ግህሰትን ረዲኤት ምኽልካልን ብቐንዱ ተጠቀስቲ ከምዝኾኑ ላቲሺያ ባዲር ኣብሪሃ።

ብምዃኑ እውን ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ንትግራይ ኣመልኪቶም ዘውፅኡዎ ፀብፃብ ኣብ ሰለማውያን ሰባት ዝተፈፀመ ገበናት ካብ ምርኣይ ዝረሓቐ ከምዝኾነ ገሊፃ።

ኣብቲ ፀብፃብ ብዝግባእ ዝተሰነዱ ፍፃመታት ጠመተ ከምዘይተውሃቦን ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብሓይልታት ኣምሓራን ምልሻን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ዘበፅሑዎ በደል ብውሱን ጥራሕ ከምዝቐረበ ጠቒሳ።

ኣብቲ ፀብፃብ ብኹሎም ወገናት ዝተገበረ ፆታዊ ዓመፅ ዋላ እኳ እንተተጠቐሰ እንተኾነ ግን ኣብ ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ጎራዙ ብሓፈሻ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝተፈፀመ ፆታዊ ዓመፅ ክንደየናይ ከምዝኾነ ከምዘየንፀባርቕ ወቒሳ።

ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ኮነ ተባሂሉ ዝዓነወን ዝተዘመተን ትካላት ጥዕና፣ ሰለማውያን ሰባት ምፍርራሕን ምቕታልን ዝምልከት ብዝግባእ ከምዘይኣማለአ ሓቢራ።

ብምዃኑ እውን መጠንን ስፍሓትን ዝተፈፀመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፈሊ ዓለም ለኸ ምፅራይ ክግበርን ንቀፃሊ እውን ዝተበደሉ ወገናት ካሕሳ ዝረኽቡሉ በደልቲ ናብ ሕጊ ዝቐርቡሉ ኩነታት ክፍጠር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲባ።

ድሕሪ ወርሒ ሰነ ድማ ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ረዲኤት ንኸይኣቱ ከምዝኸልከሉን ኣብ ካልእ ክልላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተጋሩ ከቢድ ስቓይን ማእሰርትን ከምዝተፈፀመን ብምግላፅ ነዞም ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ንምክልኻል ዓለም ለኸ ክትትል ከምዘድሊ ሓቢራ።

ብምዃኑ እውን እቲ ዝወፀ ሓበራዊ ፀብፃብ ተወሳኺ ምፅራይን ተሓታትነትን ክህልዎ ከምዝግባእን ግዳያት ዝኾኑ ወገናት ብትኽክል ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈፀመ ነገር ክወፅእ ከምዘለዎ ላቲሺያ ኣብሪሃ።

መንግስቲ ትግራይ፡ እቲ ብቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝወፀ ፀብፃብ ምስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበናት ፈፂሙ ዘይመጣጠንን ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘዳለወ ከምዝኾነን ተቐባልነት ከምዘይብሉን ምግላፁ ይፍለጥ።