ዛዕባ ሓድግታት ትግራይ

ኣሉላ ተስፋይ፣ ተመራማራይ፣ ጽኩባ ዩንቨርስቲ፣ ጃፓን

ሓድግታት ትግራይ

ኸምቲ ዝፍለጥ፣ ትግራይ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ዘይተዃለፈ ስርዓተ መንግስቲ ካብ ዝውንኑ ማሕበረሰባት ዓለም ሓንቲ እያ። እዚ ማለት ማእለያ ዘይብሎም ተሞክሮታት፣ኣካይዳታት፣ ልምድታትን ስርዓታትን ዝሓዘት እያ። እዚኦም ብዝተፈላለያ ጉጅለ ስርዓታት ክንእክቦም ንኽእል ኾይንና ብቑሩብ ስራዓተ ምሕደራ፣ ስርዓተ መነባብሮ፣ ስርዓተ ኣምልኾን ስርዓተ ስነዳን ዝሓወሰ እዩ። ስርዓተ ምሕደራ ትግራይ ዝተፈላለየ ውዳበታት፣ ነጻነት፣ ሕግታትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዝሓውስ ውርሻ እዩ። ዋላ ኣብቲ መንግስቲ ዝፈረሰሉ እዋን ብዝተፈላለዩ መሓውር ውዳበታት ገይሩ ንባዕሉ ዘማሕድርን ዝከላኸልን እዩ። ናይ እቲ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ዘኢተዃለፈ ስርዓተ መንግስቲ ማሕበረሰብ ትግራይ፣ ውጽኢት ዝኾኑ ብዙሓት ኣዝዮም ዝተዓቀቡ ሓድግታት እዚ ወለዶ  ብውርሻ ተቐቢሉ እዮ። እዞም ሓድግታት፣ ካብቶም ብነዊሕ ተሞክሮ ዝተሃነጹ ስርዓታት ማሕበረሰብ ትግራይ ዝወፁ ፍርያት ኾይኖም፣ ንህንጻታት፣ መጻሕፍቲ፣ኪናዊ ጥበባትን ስርዓታት መነባብሮን ምሕደራንን  ዝሓውሱ እዮም። ገሊኦም ሓድግታት ብደረጃ ዓለም እውን ብሉጽ ኣድማሳዊ ዋጋ ዘለዎም እዮ። ንኣብነት መጽሓፍ ወንጌል እንዳ ኣባ ገሪማ ዓድዋ ካብቶብ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎም እንዳተገንጸሉ ዝንበቡን ቅብኣ ዘለዎ መጽሓፍቲን ዓለም ሓደ እዩ። እቲ 33 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ሓወልቲ፣ ብወዲ ሰባት ዝተጸረበ እቲ ዝዓበየ ሓወልቲ ዓለም እዩ።

ባህሪ ዂናት ወረራ ትግራይ

ባህሪ እዚ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ዂናት፣ ነዞም ውርሻታትን ሓድግታት እንተኻኢሉ ንምውራስ እንተዘኢኾይኑ ኸዓ ንምጥፋእ ዝሃቀነን ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ናይ ሃለዋት ሓደጋ ዘወደቐ እዩ ኾይኑ ሓሊፉ። ካብ ሕሉፍ ተሞክሮ ዂናታት ዘርኣዊ ጨፍጫፍ ንመሃሮ እንተሃለወ፣ ሓድግታት ቐዳሞት ዒላማ እቶም ዓመጸኛታት ኸምዝኾኑ እዩ። ሓድግታት ብግኡዛውያን ነገራትን ብሰብን ጣምራ እዮም ዝዕቀቡ። ንኣብነት ያሬዳዊ ዜማ ከም ሓደ ዓብይ ሓድጊ ትግራይ እንትንገልጾ፣ ነቲ ሓድጊ ዝዕቅቡ መጽሓፍቲ ብራና፣ ስርዓተ ዜማ፣ መሳርሕታት ሙዚቃን እቲ ዝካየደሉ ቦታን ግኡዛውያን ነገራት እንትኾኑ፤ እቶም ሊቃውንቲ ዜማ፣ መምሃራን፣ ተምሃሮን ነቲ ዜማ ዝሰምዑ ኣመንቲን ኸዓ እቶም ነቲ ሓድጊ ዝዓቀብዎ ሰባት እዮም። እዚ ሓድጊ እዚ ክተጥፍእ እንተደሊኻ ነቶም ሰባት ክተጥፍኦም ወይ ኸዓ ካብቲ ስርዓት ክተዃልፎም ኣለካ።

ነቶም ሰባት ክተጥፍኦም እንተደሊኻውን ነቲ ሓድጎም ትኸልኦም ኣለካ። ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣሸንዳን ደቂ ኣንስትዮን፣ ነጃሺን መራሕቲን ሰዓብትን ሃይማኖት እስልምናን፣ ኣማኢት ውቕር ገዳማትን ኣብ ኸባቢኦም ዘሎ ማሕበረሰብን ዝተኣሳሰሩ ክፋላት ሓደ ስርዓት እዮም። እዚኦም ኢደ እግሪ ናይ ሓደ ኣካል እምበር ፈላሊኻ ዝርኣዮ ኣኢኾኑን። በዚ ምኽንያት እዩ ኸዓ፣ ዓቀብቲ እዚ ውርሻታት ዝኾኑ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ወራዙትን ኣብ ቕድሚ ሓድግታት ቤዛ ኾይኖም ዘለው። እዚ ከም መባህረሪ ሕልሚ እንዳተደጋገመ ዝመጽእ ዘሎ ዂናት ብዘላቒ ንምክቶ ብሉጻት ዓይነት ባዕልና፣ እንትንኾን እዩ። ብቕሉዕ ወራር ኣብ ዝመጽእ ዘመተ ጥራሕ እንተይኾነ፣ ኣብ ሰላም ዘሎ ምወራስ ሓድግታት እውን ጠመተ ክንህበሉ ይግባእ።

ምውራስ ሓድግታት ኸም ዓብይ ገበን ዝርኣይን ዓርሱ ዝኸኣለ ስርዓተ መጽናዕቲ ዘለዎ እዮ። ብዙሓት ሓድግታት ትግራይ ብፍላይ ኣብ ዘርፊ ባህሊ፣ ታሪኽ፣ ሃማኖትን ግዝኣት ዓድን ዓብይ ዘመተን ፈተነታትን ተኻይድዎ እዩ። ንኣብነት ኣብ ኣሸንዳን ታሪኻት ዂናት ኣንጻር ወረርትን ብቐረባ ዝተዓዘብናዮም ዘመተታት እዩ። ብዙሓት ሰባት ባህሊ ተዋራራሳይን ተሞክሮ ትምህርቲ እውን ተወሳዲን እዩ ዝብሉ ኣለው።

ሓቆም እንተኾኑ እንዃዕ መሰረታዊ ኣፈላላይ ዘመተን ካብ ካሊእ ባህሊተሞክሮ ምውሳድን፣ ኣፍልጦ ምሃብን ዘኢምሃብን እዩ። ነቶም ጎረባብትናን ካልኦት ህዝብታት ዓለም ጽቡቕ ንምነየሎምን ባህሎም ኸማዕብሉ ንድግፎምን ዘለና እንተኾነ እንዃዕ፣ ነቲ ባህልና ከኢዝመትን ብኻሊእ ከኢፀዓንን ክንሕሉን ክንዕቅብን ግድን እዩ። ነዚ ተሞክሮ ዝኾን ኸዓ ኣብቶም ሓድግታትናን ታሪኽናን ንረኽቦ ኢና። ምዕቃብ ሓድጊ ካብቶም ዘለቔታዊ ውጽኢት ዘለዎም መኸተታት ሓደ እዩ።

እንታይ ንግበር?

ኣብቲ ነዊሕ ዋሕዚ ዘለዎ ባህሊ ህዝቢ ትግራይ እንተሪእናዮ፣ እዚ ወለዶ ኣብቶም ዝሓለፉን ዝመፅኡን ዘሎ ሞንጎኛ እዩ።  እዚ ምዕራፍ ኻሊእ ውርሲ ንመፃኢ ወለዶ ኽኾንን ክንመሃረሉን፣ ህዝብና ሃለዋቱ ብውሑስ ከቐጽል፣ ዝዓነወ ክጽገንን ዝተጎድእ ክድበስን ንፅባሕ ዘኢንብሎ ዕማምና እዩ።

ከም ውልቀሰብን ማሕበረሰብን  ታሪኽናን ሓድግናን ብኣንክሮ ክንዕቅብ ኣለና። ናይ ማሕበረሰብ ሓድጊ ናይቶም ውልቀ ሰባት ሓድግታት ተኣኪቡ እዩ ዝህነጽ። እቲ ዕለታዊ ተጓንፎና ክስነድን ኣለዎ። ሕድሕድና ናይ ቤተሰብና ሓድግታትን ታሪኽን እውን ክንዕቅብን ክንስንድን ኣለና። ኣብ ምስናድ ንዝነጥፉ እውን ብዝተፈላለየ መልኽዕ ክንድግፍ ኣለና። ትካላት እግሪ ክተኽሉ ክንሰርሕ ኣለና። እዚኦም ካብቶም ኣናእሽተይ ፀበላት፣ ዕቁባትን እድራትን ጀሚሩ ክሳብ ዓበይቲ ትካላት ቁጠባን ማሕበረሰብን ዝሓውስ እዩ። ከምቲ ዝግበር ዘሎ፣ ድምጺ ንዘኢብሎም ድምጺ ምዃን የድልይ።  ብዙሓት ዝዓነውን ዝተሰረቑን ሓድግታት ምጽጋንን ምምላስን ዘድልዮም ኣለው። ብሓፈሻ ፍትሒ ምስፋንን ህዝብና ተመሳሳሊ ፀጋም ናብ ዘኢኣትወሉ ውሑስ ኩነታት ምፍጣር የድሊ።