ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ [ባይቶና] ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝግበር ዘሎ ጅምላዊ ማእሰርትን ስቓይን ጠጠው ክብል ፀዊዑ።

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፀም ዘሎ ጅምላዊ ማእሰርትን መጥቃዕትን ኣካል ምፅናት ተጋሩ ምዃኑ ዝሓበረ ውድብ ባይቶና ካብ ጥቅምቲ 24/2013 ዓ.ም ጀሚሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ዓቕሚ ክልላትን ሃገርን ዓቕምታት መንነታዊ ፀላእትናን ቴክኖሎጂን ብምውዳድ ኩለመዳይ ህዝብን መንነትን ናይ ምብራስ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ የካይድ ከምዘሎ ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

ባይቶና ወሲኹ ንሕናን ትግራዋይነትን ካብዛ ምድሪ ንምብራስ ንሓደ ዓመት ዝቐፀለ ወፍሪ ሚልዮናት ቤት ንብረቶም ሓዲጎም ክስደዱ፣ ብኣማኢት ኣሻሓት ንዘርኣዊ ጭፍጨፋን ጉድኣት ኣካልን ክቃልዑ፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀራ ኣዴታትን ንኡሳትን ግዳይ ፆታዊ ዓመፅ ክኾና ሚልዮናት ብጥሜትን ስእነት መድሓኒትን ኣብ ኣፍ ሞት ክበፅሑ ጌሩ እዩ ኢሉ።

ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ልዕሊ ዘርኢ ምፅናት (ጄኖሳይድ) ምዃኑ ከምዝኣምን ዝጠቐሰ ባይቶና እዚ ንዓለም ሓዱሽ ዝኾነ ግን ከዓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መሬት ዝተፈፀመ ግፍዕን ስቓይን ከይኣክል ሎሚ እውን ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተጋሩ እቲ ግፍዕታት ይቕፅል ምህላው ከምዘሻቕሎ ገሊፁ።

“ብፅልኢት ህዝቢ ትግራይ ዓይኖም ዝተደፈነ ነፍጠኛታትን ንሶም ዝገንሕዎ ፈረስ ፋሽሽታዊ ስርዓት” ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዓውደ ውግእ ብጅግና ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ዝበፅሖም ስዕረትን ውርደትን ንምሽካም ዓቕሚ እንትስእኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታት እታ ሃገርን ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ሰላማዊ ተጋሩ ወፍሪ ምፅራይን ምዕጋትን የካይዱ ከምዘለው ባይቶና ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ክልልን ፍተሻ ገዛን ገዛ ብምክያድ ተጋሩ ብቋንቁኦምን ብዘርኦምን እናተፈለዩ ብጅምላ እናተሓፈሱ፣ በቢቤትዕዮኡ ዘለው ተጋሩ ሰራሕተኛታት ብሙሉኦም ተፈልዮም ስሞም ብምልጣፍ ክእረዩን ክዳጎኑን ይግበር ምህላው ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መንገድታት ኣዲስ ኣበባ ትግርኛ ምዝራብ ዘይሕለፍ ገበንን ሓጥያትን ኮይኑ ምህላው ዝሓበረ ባይቶና ድሕንነት ኤርትራ፣ ፖለቲከኛታትን ፅንፈኛታትን ኣምሓራ መንበሪ ገዛውቲ እናፈለዩ ምጉሓልን ምእሳርን መዓልታዊ ስረሖም ጌሮምዎ ኣለው።

ስለዚ ውድብና ባይቶና ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ዝፍፀም ዘሎ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘነፃፀረ ቅትለት፣ ማእሰርትን ግፍዕን ቀልጢፉ ጠጠው ክብል፣ ኣብ ኢትዮጵያን ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝርከቡ ተሓለቕቲ መሰልን ፍትሕን ዝካየድ ዘሎ ዝፍፀም ዘሎ ወፍሪ ዘርኢ ምፅራይ ኣትሪሮም ክቃወምዎ፣ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፀም ዘሎ መጠን ዘይብሉ ግፍዕታት ንኢትዮጵያ ጥራሕ ከይኮነስ ምብራቕ ኣፍሪካ እውን ንሓደጋ ዘቃልዕ ብምዃኑ እዞም ጥራዝ ነጠቕ ፋሽሽትታት ዝገርዎ ዘለው ግፍዕታት ከዐግስ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝነብሩ ተጋሩ እዞም በላዕቲ ሰብ ፀላእትና ከካብዘለውዎ ኣሪና ንሕጊን ፍርድን ንምቕራብ ኣብ ጎኒ እቲ ጅግና ሰራዊትና ብምዃን ቃልስና ክነሐይል ባይቶና ፀዊዑ።