ኣብ ትግራይ ጆኖሳይድ ዝተኻየደ ምዃኑ ክነረጋግፅ ኣይክኣልናን ዝብልዎ ዘረባ ከምዘይቕበልዎ ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊጾም።

እቲ ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ኣቢሉ ዝወፀአ ሪፖርት ወገናዊን ወድዓዊ ኩነታት ትግራይ ዘየርእን ብምዃኑ ከምዘይቕበልዎን ኻሊእ ብህዝቢ ትግራይ ተቐባልነት ዘለዎ ዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ ትካል ብምምርማር ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ከምዘለዎም ኣኽሱማይት ዘዘራረበቶም ነበርቲ ከተማ መቐለ ፀዊዖም።

ኣይተ ሃፍቶም ኣብርሃ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትኽክለኛ ምርመራ ንምክያድ ዓሊሙ እንተተበጊሱ “ካብ መጀመርትኡ ምስ ሻራዊ መጋበርያ ኣብዪ ኣሕመድ ዝኾነ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ሽርክና ክፈጥር ኣይነበሮን” ክብል ወቒሱ።

ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ትግራይ ኣትዮም ከየፃርዩ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ከምዝተኸልከሉ ብምጥቃስ ኣክሱም ሓዊሱ ኣብ መብዛሕትኦም ጅምላዊ ጨፍጫፍ ዝተኻየደሎም ቦታታት ብኣካል ከፃርዩ ዘይምኽኣሎም ዓለምለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ክፅብፅባ ቀንየን እየን።

መንእሰይ ልዋም ተወልደ “ብዓሰርተታት ኣሽሓት ህፃናት፣ ንኡሳትን ኣዴታትን ብወረርቲ ብግፍዒ ተደፊረን ሎሚ ድማ ጥሜትን ዕፅዋን ከም መሳርሒ ኲናት ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ በደል ካልእ በደል እናደራረቡለን ብመራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ብመረዳእታ እናቐረበ ኣብ ትግራይ ዘርኢ ምፅናት ኣይተኻየደን ምባል ዘደንፁ እዩ” ክትብል ተዛሪባ።

መንገድታት ሰብኣዊ ሓገዝን ባንክን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዕፃው ዝኸፈተቶ እንዳቡን በቲ ዕፅዋ ተጠቃማይ ክመፃ ስለዘይከኣለ “ሓንቲ ባኒ በሊዐ እየ ዝሓድር ዘለኹ” ዝበለት ንእስቲ ልዋም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘርኢ ምፅናት ኣይተፈፀመን ምባሉ “ኣነ እታ ባኒ እውን ስኢነ ብጥሜት ክመውት ንፋሽሽታውያን ወረርቲ የተባብዕ ኣሎ” ክትብል ወቒሳ።

ሽማግለ ዓዲ ኣይተ ኣማረ ተወልደ ብወገኖም ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ ወረርቲ ሓይልታት ኣተኣኻኺቡ “ኣብ ዕጡቓት ከይኮነስ ኮነ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ጨፍጫፍ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ እዩ” ኢሎም። ወሲኾም እውን “ዘርኢ ምፅናት ድዩ ኣይኮነን ዝብል ብያነ ዝወሃብ ንኹሉ ወገን ብማዕረ ዝርኢ ብዘይሻራውነት ዘፃሪ ኣካል እንትህሉ እዩ” ብምባል እቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝወፀ ሪፖርት ቅቡልነት ከምዘይብሉ ኣይተ ኣማረ ሓቢሮም።

ልፍንታዊ ወረርቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ጅምላዊ ጨፍጫፍ፣ ፆታዊ ዓመፅን ምፍንቓልን ተጋሩ ብተወሳኺ “ኣብ ልዕሊ ቋንቋ፣ መንነትን ባህልን ተጋሩን ትግራይን ከቢድ ዕንወት” ከምዘብፅሑ ዝጠቐሰ ዋና ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶ/ር ዳንኤል ተኽሉ እዚ ቅሉዕ ክሕደት ንውድብ ሕቡራት መንግስታት “ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቖ” ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበናት ብመጠንን ብዓይነትን ልዕሊ ዓለምለኻዊ ብያነ ትርጉም ምፅናት ዘርኢ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዶ/ር ዳንኤል ውድብ ሕቡራት መንግስታት “እዛ ዘርኢ ምፅናት ካልእ ሓዱሽ ብያነ ትርጉም ዝሃበላ ይመስል” ክብል ወቒሱ።

ትኽክለኝነት እቲ ሪፖርት ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ካብ መጀመርትኡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣካል እቲ መፅናዕቲ ክኸውን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምፍቃዱ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ ኣብ ከይዲ እቲ መፅናዕቲ ዝተፈጠረ ንሓደ ወገን ዘዘምበለ ኣካይዳ ውፅኢቱ ሻራዊነት ሪፖርት ካብ ምርግጋፅ ዝሓለፈ ትርጉም ከምዘይብሉ ሓቢሮም።

እቲ ሪፖርት “ገበን ምፅናት ዘርኢ ንዝፈፀሙ ፋሽሽታውያን ወረርቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ሽፋን ብምሃብ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ክናዋሕ ዝገብር” ከምዝኾነ ዝገለፀ ኣይተ ሃፍቶም ኣብርሃ “ህዝቢ ትግራይ ብቃልሱ ፍትሒ ክረክብ እዩ” ክብል ገሊፁ።

እቶም ወሃብቲ ርኢቶ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ብዘይሻራዊን ፍትሓዊን መልክዑ ናብቶም ጅምላዊ ጨፍጫፍ፣ ፆታዊ ዓመፅን ዕንወትን ዝበፅሖም ከባብታት ትግራይ ብወግዒ ብምኻድ ሙሉእነት ዘለዎ ምፅራይ ብምክያድ ገበነኛታት ንፍርዲ ክቐርቡ ክሰርሕ ፀዊዖም።

መንግስቲ ትግራይን ፎረም ውድባት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጅምላዊ ጨፍጫፍ እናተኻየደ ስቕታ ዝመረፀ መጋበርያ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣካል ተሓታትነት እምበር መፃረዪ ክኸውን ስለዘይኽእል ዝቐርብ ሪፖርት ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብምሕባር ብዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ ትካላት ክፃረ ተደጋጋሚ ፃውዒት ምቕራቦም ዝዝከር እዩ።