ኣብ ሪፈራል ሁስፒታል ዓይደር መቐለ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይረኽቡ ዝነበሩ 16 ህፃናት ሞይቶም።

ኣብ ኮምፕሬሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደርን ሆስፒታል መቐለን ክሕከሙ ካብ ዝመፁኡ 205 ከቢድ ሕፅረት ምግቢ ዘጋጠሞም ህፃናት እቶም 16 ከምዝሞቱ ሓላፊ ክፍሊ ሕክምና ህፃናት ኮምፕሬሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ዶ/ር መሓመድ ሙስጦፋ ኣፍሊጡ።

ብሕፅረት ምግቢ ዝተጠቐዐ ወዳ ክተሐክም ካብ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ጣብያ ሓድነት ከምዝመጽአት ዝገለጸት ወይዘሮ ትርሓስ ገብረስላሴ “ምህርትና ካብ 13 ታሕሳስ 2013 ጀሚሩ ብሰራዊት ኤርትራ ተጓሕጊሑ ምስተወሰደ ምግቢ ክረክብ ስለዘይከኣልኩ ወደይ ፀባ ስለዘየውፃእኹሉ ንሕፅረት ምግቢ ተቓሊዑ” ክትብል ተዛሪባ።

ኣብ ከባቢኣ “ዞማላ ኣብ ትበሃል መፋስስ ጥራሕ ሰራዊት ኤርትራ በቢገዝኡ እናፈተሹ ልዕሊ 300 ኣባጊዕ” ከምዝወሰዱ ትዝክር ወይዘሮ ትርሓስ እቲ ሕብረተሰብ ፈለማ ዝራእቱ ከይኣከበ ስለዝተወረረ ደሓር ከዓ በቢገዝኡ ዝነበሮ ሃፍቲ ብወረርቲ ብምጉሓሉን ንከቢድ ጥሜትን ዓፀቦን ምቅልዑ ሓቢራ።

ኣብ መቐለ “ብሓካይም ዝተኣዘዘሉ መድሓኒት ስለዝሰኣንኩ ኣብ ጭንቂ እየ ዘለኹ” ዝበለት ትርሓስ “ለምቕነ ድማ ደብዳብ ነፈርቲ ስለዝበዘሐ” ከቢድ ስግኣት ከምዝፈጠረላ ገሊፃ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 25 ንከቢድ ሕፅረት ምግቢ ዝተቓልዑ ህፃናት ናብ ሕክምና ምምፀኦም ዝሓበረ ዶ/ር መሓመድ እቲ ናብ ሆስፒታል ዝመፅእ ዝነበረ በዝሒ ተሓካማይ ከምዝነከየ ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ብምስጋእ ሕፅረት ምግቢ ኣብ ዝተበኣኣሰሉ እዋን መጠን ዋሕዚ ተሓከምቲ ሕፅረት ምግቢ ህፃናት ብወርሒ ካብ 44 ናብ 25 ምንካዩ ዶ/ር መሓመድ ተዛሪቡ።

ኣብ ሃንደበታዊ ሕክምና ሕፅረት ምግቢ ህፃናት እውን ብወርሒ ካብ 20 ናብ 7 ተሓከምቲ ምውራዱን ኣብ መቐለ ብዝካየድ ዘሎ ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ናብ ከቢድ ወጥርን ስግኣትን ብምስጥሖም ናብ ሕክምና ከምዘይመፁ ሓቢሩ።

ሓላፊ ክፍሊ ሕክምና ህፃናት ኮምፕሬሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ዶ/ር መሓመድ ሙስጦፋ ብምኽንያት ሕፅረት ምግቢ ክሕከሙ ካብ ዝመፁ 16 ህፃናት ከምዝሞቱ ብምሕባር ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋ ስዒቡ ዝተኸሰተ ሕፅረት ምግቢ፣ መድሓኒትን ምቁራፅ ግልጋሎት ምርመራን ግልጋሎት ሕክምና ጠጠው ክሳብ ምባል ዝበፅሕ ኩነታት ምፍጣሩ ኣረዲኡ።