ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ 23 መምህራን ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ 23 መምህራን ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብግፍዒ ተቐቲሎም።

ካብ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ዓዲግራት መምህር ዮውሃንስ ብርሃነ “እቶም ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ዓሊሞም ዝወረሩና ሓይልታት ቀንዲ ዕላመኦም ዝተምሃረ ሓይሊ ምጥፋእ እዩ” ኢሉ።

ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ መሓሪ ኣባይ ብወገኑ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ “ክሳብ ሐዚ ሓበሬታ ዝረኸብናሎም 23 መምህራን ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብግፍዒ ተቐቲሎም እዩም” ብምባል ክሳብ ሐዚ ደሃዮም ዘይተፈለጠ መምህራን ስለዘለው እቲ ኣሃዝ ክውስኽ ከምዝኽእል ጠቒሱ።

እዞም ወረርቲ ሓይልታት ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ህዝቢ ይጭፍጭፉ ከምዝነበሩ ብምጥቃስ “ሐዚ እውን ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዘለዋ ኣዋሰንቲ ከባብታት እቲ ግፍዕታት ይቕፅል” ምህላው ገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣይተ መሓሪ ኣባይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ይሰርሑ ካብ ዝነበሩ መምህራን እቶም 332 ክሳብ ሐዚ ሃላዋቶም ምፍላጥ ከምዘይተኽኣለ ኣፍሊጡ።

ቀንዲ ዕላማ ወረርቲ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምሁር ሓይሊ ብምጥፋእ “ትግራይ መንነት ኣልቦ ንምግባር ዝዓለመ” ከምዝኾነ ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ መሓሪ ኣባይ ይዛረብ።