ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ኩሎም ገበናት ብዘይሻራዊ ኣካል ክፃረዩን ህልዉ ኩነታት ትግራይ ማእኸል ዝገበረ ተግባራዊ ስጉምቲ ክዉሰድ ከምዘለዎን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ገሊፁ።
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ትማሊ ኣብ ዘዉፀኦ መግለፂ፡ ደመኛታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝኣወጅዎ ገበን ጆኖሳይድ ዕድመ፣ ሃይማኖት፣ ፆታን ኣረኣኣእያን ብዘየገድስ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኣብ ትሕቲ ዝመረፆ መንግስቱ ከም ህዝቢ ተሰሊፉ ይቃለስ ምህላዉ ኣገንዚቡ።
ኣብ ዉሽጥን ደገን ዝነብር ትግራዋይ ከም ማይን ፀባን ተዋሃሂዱን ተናቢቡን ብዘካየዶ ቃልሲ ዝነኣደ መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ንዘንተእለት ዘይሃስስ ታሪኽ ከምዝተሰርሐ ኣዘኻኺሩ።
በቲ ዝተኻየደ ዕዉት ህዝባዊ መኸተን ብዝተመዝገቡ ድሙቓት ዓወታትን ድማ ድሕንነትን ህልዉናን ትግራይን ህዝባን ናብ ዘተኣማምን ብርኪ ከምዝበፀሐ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ነቲ ተፈጥራዉን ሰብሰራሕን ፈተናታት በዲሁ መዘና ኣልቦን ህዝባዊ ሰራዊትን ምእንተ መንነትን ክብርን ህዝቢ ትግራይ ክብል ክቡር ሂወቱ ዘወፈየን ዓርሞሸሻዊ ዓወት ዘመዝግብ ዘሎን ሰራዊት ትግራይ ልዑል ምስጋና ኣቕሪቡ።
ብተወሳኺ ፎረም ዉድባት ትግራይ ኣብ ህዝባዊ ኩናትን መኸተ ህዝቢ ትግራይን ብዘርአይዎ ተወፋይነትን ዘንፀባረቕዎ መኸተን መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ዝነኣደ እንትኾን ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ እዉን ፃዉዒቱ ኣቕሪቡ።
ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ፡ እቲ ፃዉዒት ሰላም ተሓሲሙ ስነ ስርዓት ቀብሩ ንምፍፃም ኣብ ዝፅበየሉ እዋን ኮይኑ ምስ ዝፅበ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጲያ ክሓብሩ ከምዘይግባእን ፃዉዒቱ ክነፅጉን ሂወቶምን ሂወት ደቆምን ከድሕኑ ከምዝግባእ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣተሓሳሲቡ።
ከምኡ’ዉን ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ኤርትራዉያን ብዉዳበታት፣ ብሚድያ፣ ብገንዘብን ንዋታዉን ሞራላዉን ደገፍ ብምግባር እናካየድዎ ዝመኡፁ ቃልሲ ዝነኣደ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ባህግን ትምኒትን ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝሰምር ኣብ ልዕሊ መቓብር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ ተገንዚቦም ቃልሶም ከሐይሉ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።
ዕላማ መኸበቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፡ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ብሪፈረንደም ምርግጋፅ ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመን እናተፈፀመን ዝርከብ ገበን ብዘይሻራዊ ኣካል ክፃረን ግብራዊ ስጉምቲ ክዉሰድን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ንዓለም ማሕበረሰብ ኣብ ዘቕረቦ ፃዉዒት ኣገንዚቡ።