መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕጽዋን ዝገብሮ ዘሎ ጨፍጫፍን ደው ክሳብ ዘየበለ ሰራዊት ትግራይ መጥቃዕትታቱ ከምዝቅጽል ወሃቢ ቃል መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ምስ ሲ ኤን ኤን ኣብ ዝነበሮ ጻኒሒት ገሊፁ።

ሰራዊት ትግራይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሰሜን ሽዋ ከምዘለዉ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ስኤንኤን ኣብ ዝነበሮ ጻኒሒት ገሊጹ።

“ብተደጋጋሚ ክንዛረብ ከምዝፈተናዮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዋናነት ስልጣን ንምሓዝ ኣይኮነን ድሌትና ወይ ድማ መሬት ናይ ምቁጽጻር ድሌት የብልናን” ዝበለ ኣይተ ጌታቸው ረዳ “ቀንዲ ዕላማ ሰራዊት ትግራይ ብኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝነበረ ዕጽዋ ፈንጺሒኻ ምውጻእ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ትግራይ መሊስካ ናይ ምሓዝ ሕልሙ ከምዘይሳካዕ ምስ ፈለጠ ኤሌክትሪክ፣ መራከቢ መንገዲታት፣ ኣገልግሎት ባንኪን ካልኦትን ብምቁራጽ ራዕዲ ዝተመልኦ ግዝኣት ክፍጠር እዩ ገይሩ እውን ኢሉ።

ህዝቢ ትግራይ ንመግዛእቲ እምቢ ስለዝበለ ህጻውንቲ ሞት ተፈሪድዎም ኣብ ዓጸቦ ከምዝወደቑን ዘሎ ኣማራጺ እቲ ዕጽዋ ፈንጺሕና ምውጻሕ ጥራሕ ከምዝኮነ ኣቀሚጡ።

ነፈርቲ ኲናት መንግስቲ ኢትዮጲያ ብተደጋጋሚ እናተመላለሳ ህጻውንቲ እናቀተላ ከምዝርከባ ዝተዛረበ ጌታቸው ረዳ እዚ ክሳብ ጠጠው ዝብል ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝቅጽል ኣፍሊጡ።

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣንጻር ህወሓት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ክብል ምጽዋዕ ክሳብ ዘይቆረጸን ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝነብሩ ተጋሩ ብምኳኖም ጥራሕ ምእሳር ክሳብ ዝቀጸለ ነዚ ሓደጋ ደው ንምባል እቲ ስጉምቲ ከምዝቅጽል ኣፍሊጡ።

መንስግቲ ኣብይ ካብ ፈለማ ንሰላም፣ ዲሞክራሲን ለውጢን ቁርብ ከምዘይነበረን ድሌቱ ንጉስ ኢትዮጵያ ክከውንን ከምዝነበረን ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣብ መንገዲ ሃጸያዊ ሕልሙ እዚ ሕልሙ ከምዘዐንቀፎ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፁ።

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጲያ ንሰላም ቅሩቡ እንተኾይኑ ግን ብትግራይ ወገን እውን ቁሩብነት ከምዘሎ ኣመላኪቱ።

ኣብ ቀረባ ውድብ ህወሓት ምስ ካልኦት 8 ውድባት ዝገበሮ ወታደራዊን ፖለቲካዊን ስምምዕነት ካብ ጋዜጠኛ ሲኤንኤን ሕቶ ዝቀረበሉ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ንምስባር ኣብ ዝግበር ፈተነ ዘሎ ቃልሲን ሓይልን ተመሳሳሊ ድልየት ምስ ዘለዎም ውድባት ክዋደድ ንምግባር ዘክእል ስምምዕነት ከምዝተገብረ ኣብሪሁ።

እንተኾነ እቲ ዝግበር ጻዕሪ ምስተን ኣብቲ ጥምረት ተዘርዚረን ምስ ዘለዋ ውድባት ጥራሕ ንበይኑ ኣይኮነን ዝበለ ጌታቸው ረዳ ድሕሪ ምውዳቅ ኣብይ ኣብ ዘሎ ዝተረጋገዐ ስግግር ንምግባር ተገዳስነት ምስዘለዎም ካልኦት ውድባት እናሰራሕና ንርከብ ክብል ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ህወሓት ኣብ መቐለ መንበሪ ሰላማያን ሰባት ኣብ ዝኮኑ ቦታታት ወታደራዊ ናቁጣታት ይገብር ኣሎ ዝብል ክሲ ከምዝቐርብን እንተኾነ ወታደራዊ ዒላማ ክኾኑ ዝክእሉ ቦታ ከምዘየለን “ንዓይ ዒላማ ዝገበረ እንተዝኸውን ነይሩ ኣግባብ ዘለዎ ወታደራዊ ዒላማ ገይረ ምወሰድክዎ። እንተኮነ ቀጽሪ ዩኒቨርሲትን መንበሪ ሰለማዊያን ሰባትን ዕላማ ምግባር ወተሃደራዊ ዕላማታት ካብ ዝበሃል ኣዝዩ ዝረሓቀ እዩ። ኣብይ ሰላማዊያን ሰባት ዒላማ ይገብር ከምዘሎ ኣንዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ።” ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ “ጆኖሳይዳል” ኲናት መንግስቲ ኣብ ንዘሓለፉ ኣዋርሕ ሙሉእ ንሙሉእ እናቀጸለ ከምዝፀንሐን እንተኮነ ማሕበረሰብ ዓለም ክብደት እቲ ጸገም ዝተገንዘበ ከምዘይመስልን ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ናይ ምጥፋእን ምጽናትን ኲናት ዝኣወጀ መንግስቲ ኢትዮጵያ ማሕበረሰብ ዓለም ዝኾነ ስጉምቲ ክወስድ ከምዘይከኣለ ገሊፁ።

ካሊእ ኣዲስ ኣበባ ምስ መሓዝ ተተሓሒዙ ዝለዓል እታ ሃገር ናብ ሕድሕድ ኲናት ክትኣትው ትክእል እያ ዝብል ስግኣት እታ ሃገር ሐዚ እውን ኣብ ዘርኢ ኣብ ናይ ምጥፋእ ኲናት እያ ዘላ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩሎም ነዚ ንምግባር ዘክእሎ ፋሽሽታዊ ተግባራት ኩሉ ይሰርሕ ከም ዘሎን እዚ ኲናት ሕድሕድ እንተዘይተብሃለ እንታይ ከምዝብሃል ከምዘይፈልጥ ሓቲቱ።

ስለዚ ኣብይ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢርዎ ዘሎ ዕጽዋ ክሳብ ዝስበር ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣጠንቂቑ።

ካብዚ ብተወሳኪ ኣብ ቀረባ ዝወጸ ሓባራዊ ምጽራይ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕብራት ሃገራትን ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያን ሙሉእ ንሙሉእ ከምዘይቅበሎ ዝተዛረበ ጌታቸው ረዳ እቲ ጸብጽባ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ብዝምወልን ዝሽወምን ብዳንኤል በቀለ [ዶ/ር] ከምዝተጸሓፈ ኣፍሊጡ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኮምቦልቻ ተፈጺሙ እዩ እናተበሃለ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቀረብ ዘሎ ፕሮፖጋብዳ ብዝምልከት ዝተበሃለ ዝኾነ ዝተፈጸመ ነገር ከምዘየለ ዘፍለጠ እንትኸውን መንግስቲ ትግራይ ዘይሻራዊ ዓለም ለኻዊ ምጸራይ ንክካየድ ኩሉ ጊዜ ቁሩብ ከምዝኮነ ኣፍሊጡ።