ሕቡራት ሃገራት ብስእነት ምግብን መድሓኒትን ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ብቀጥታዊ በረራ ኣየር ህይወት ከድሕን ቤት ፅሕፈት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ፀዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበርዎ ኩለመዳይ ዕፅዋ ህዝቢ ትግራይ “ብስእነት መግብን መድሓኒትን ክርፍረፍ ይግበአኒ ዘይብሎ ፍርዲ ተፈሪድዎ” ከምዝርከብ ቤት ፅሕፈት ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ኣብ መግለፂኡ ጠቒሱ።

እቲ መግለፂ ትግራዋይ ንኢኮነሚያዊ ልምዓት ኢትዮጵያ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ምግባሩ ብምሕባር እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ዕፅዋን ክባን ሞትን ስቓይን ህዝቢ የስዕብ ምህላው ኣመላኺቱ።

ኣብ ልዕሊ ህይወት ዘለዎ ፍጡር ትፅቢት ዘይግበረሉ ገበን “ህፃናት፣ ሓራሳት፣ ጥኑሳት፣ ሽማግለታት፣ ኣዴታት፣ ኣቦታት ዝተፈላለዩ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ወለዲ ተጋሩ ብሰንኪ ስእነት ዝለሓስ ዝቕመስ ምግብን ዝውሰድ መድሓኒትን ይረግፉ” ከምዘለው ሓቢሩ።

ኣብዚ ከቢድ እዋን ህይወት ንምድሓን ህፁፅ ፍታሕ ምውሳድ ከምዘድሊ ዝጠቐሰ መግለፂ ቤት ፅሕፈት ትካላት ሃይማኖት ትግራይ “ሓገዝ ምግብን መድሓኒትን ካብ ወፃኢ ብቀጥታ በረራ ኣየር ናብ መቐለ ክፍቀደልና ንሕቡራት መንግስታት ዓለም ፃውዒትና ነቕርብ” ክብል ሓቲቱ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባን መላእ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ዘቕነዐ ግፋን ጅምላዊ ማእሰርትን ንትካላት ሃይማኖት ትግራይ ከምዘተሓሳሰበን ዝሓበረ እቲ መግለፂ “መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ፣ ዓበይቲ ዓዲ ኦሮሞ ኣባ ገዳታት፣ ኣብ መንገዲ ሓቂ ዘለኹም ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ነዞም ግፍዕታት ዝፍፅሙን ግፍዒ ንኽበፅሕ ትእዛዝ ዘቀላጥፉን ዘለው ኣካላት በቃ ይኣኽሎ ንደቅና ዘይርሳዕ ፀሊም ታሪኽ ኣይትግደፉልና” ኢሎም ክኹንኑ ፀዊዑ።

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ተጋሩ ዝግበር ዘሎ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ጠጠው ክብል ክሰርሓን መሰል ብህይወት ምንባር ደቂ ሰባት ንክረጋገፅ ንክሰርሓን ንተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮፓን ሓቲቱ።

ቤት ፅሕፈት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ኣብ መግለፂኡ “መሪር ፆታዊ ጥቕዓት ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ክፍፀሙ ዝፀንሑ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታትን ገበናት ዘርኢ ምፅናትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ብሓባር ኮይንካ ክፅናዕ ምግባር ብቐታሊኻ ዝወሃብ ፍርዲ ማለት ስለዝኾነ ፍፁም ተቐባልነት የብሉን” ኢሉ።

ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን “ዝቐረበ ሪፖርት ፀሓይ ዝወቐዖ ፃዕዳ ሓሶትን ጥልመትን” ምዃኑ ኣብሪሁ። እቲ መግለፂ ወሲኹ “ጥፍኣተኛ ብሕጊ ንኸይሕተት ዝተገበረ ምሽፍፋን ካብ ምዃን ብላዕሊ ንኻልኦት መራሕቲ ሃገራት ተመሳሳሊ ገበናት ክፍፅሙ ዘበረታትዕን ጥሕሰታት ገበናት ኲናት ዘጋድድን” ብይን ከምዝኾነ ኣቃሊዑ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝተፈፀመ ወራር ከምብሓዱሽ ብገለልተኛ ኣካል ተፃርዩ ገበነኛ ናብ ሕጊ ቀሪቡ ክመሃረሉ ዝግባእ ፍርዲ ክወሃብ ክስረሐሉ ንዘይሻራውያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ፃውዒት ኣቕሪቡ።