ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ብሰንኪ ዕፅዋን ስእነት መድሓኒትን መዓልቶም ዝሓለፎም መደሓኒታት ይጥቀም ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ወገን ብቁምቡላታትን ብጥምየትን ብኻልእ ወገን ድማ ሕማሙ ዝፍዉሰሉ መድሓኒት ተኸልኪሉ ኣብ ከቢድ ሽግር ይርከብ።

መንግስቲ ኣብዪ ነቲ ናይ መወዳእታ ሕነ መፍደዪ ስዕረቱ ዝበሎ ዕፅዋን ክባን ህዝቢ ትግራይ ሓሚሙ ዝፍወሰሉ መድሓኒት ብዘይምርካቡ ናይ መጥቀሚ ግዚኦም ዝሓለፎም መድሓኒታት ንኽጥቀም ካብ ዝተገደዱ ሆስፒታላት ሓደ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ከምዝኾነ ቴሌቭዥን ትግራይ ፀብፂቡ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒት ብርክት ዝበሉ ወገናት ንሞት ምቅላዖም እናተገለፀ ዝመፀ ኾይኑ ብፍላይ ሕዱር ሕማም ኣብ ዘለዎም ኣካላት ድማ እቲ ሳዕቤን ከምዝተጋደደ እዩ ዝሕበር ዘሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምንም እኳ ሰበ ሙያ ጥዕና ኣብ ቦቶኦም ተረኺቦም ንተገልገልቲ የገልግሉ እምበር እቲ ተሓካማይ ግን ዘድልዮ መድሓኒት ከምዘይረክብን ከምዘይፍወስን ስለዝፈልጡ ነቶም ሰብ ሙያ እዉን ከቢድ ስነ ልቦና ማህሰይቲ ከምዝፈጥረሎም እዩ ብተደጋጋሚ ዝዛረቡ።

ስለዝኾነ እዉን በዝሒ ተሓካማይ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናወሰኸ ከምዝኸድ ዘሎን ዝገለፁ እቶም ሰብ ሙያ ምስ እቲ ሕፅረት መድሓኒት ናይ መወዳእታ ዝበሎ ኣማራፂ ተጠቒሙ ንመዓልቶም ዝሓለፉ መድሓኒታት ናብ ምግልጋል ከምዝበፅሑ እዮም ሓቢሮም።