ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕመጡ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ብጅምላ ይእሰሩ ከምዘለው ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢሉ እውን መላእ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተጋሩ ብጅምላ ምእሳር ከምዝቐፀለ ትማሊ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ሃገራት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበረ ዴይሊ ኒውስ ሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ጎንደር፣ ባህርዳርን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝግበር ማእሰርቲ ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ከምዘሻቐሎ ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ፡ ኣዋጅ እቶ እቶ፡ ሰባት ንምእሳር፣ ንፍተሻን ሰለማውያን ሰባት ንምግልታዕን ይጥቀመሉ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ሃገራት ኣቃሊዑ።

መብዛሕቲኦም እቶም ብጅምላ ዝተገፈፉ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ክኾኑ ከለው ካብዚኦም ምስ ህወሓት ርክብ ኣለኩም ብዝብል ተጠርጢሮም ዝተኣሰሩ ከምዘለው ብምጥቃስ እዚ ድማ ዝያዳ ዘሻቕል ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

እቶም እሱራት ስለምንታይ ከምዝተኣሰሩ ከምዘይተነግሮምን ክሲ ከምዘይተመስረተሎምን ብምጥቃስ ዓለም ለኸ ሕግጋት ኣተሓሕዛ እሱራት ብዝጥሕ ኣገባብ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ዝተፃበበ ክፍሊ ተዳጒኖም ከምዘለው ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ እውን እቶም ብዘይወላ ሓደ ፀገም ተኣሲሮም ዘለው ሰራሕተኛታትን ገናሕቲ መካይንን ሑቡራት ሃገራት ብህፁፅ ክፍትሑ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ሃገራት ኣጠንቂቁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ብሄረ ተጋሩ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ኣዋጅ እቶ እቶ ምእዋጁ ሰባት ብዘይገደብ ይእሰሩ፣ ይዋረዱን ኣካላዊ ማህሰይቲ ይበፅሖም ኣሎ ክብል ዝፀብፀበ ዴይሊ ኒውስ እዩ።