ኣብ ትግራይ፡ ቁጽሪ ብከቢድ ሕፅረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ህፃናት ብ600 ሚእታዊ ከምዝወሰኹ ተገሊፁ።

ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድን መሻርኽቱን ሃፍቲ ትግራይ ብምብራሶምን ድሒሩ እውን ኩለመዳይ ዕፅዋ ስዒቡ መጠን ብከቢድ ሕፅረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ህፃናት ብ600 ሚእታዊ ምውሳኹ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብሓባር ኣብዘካየድዎ መፅናዕቲ ኣረጋጊፆም።

ፕሮፌሰር ስነ-መዓዛ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣፈወርቂ ሙሉጌታ፡ “መጠን ብከቢድ ሕፅረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት ኣብ 2011/2012 ካብዝነበረ 1.3 ሚእታዊ” ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ቅሉዕ ወራር “ብ600 ሚእታዊ ዓብዩ ሎሚ ናብ 6.1 ሚእታዊ” ከምዝዓበየ ሓቢሩ።

ኣብ 52 ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ ብመሰረት ዝተኻየደ መፅናዕቲ፡ መጠን ብከቢድ ሕፅረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ህፃናት 6.1 ሚእታዊ ከምኡ እውን ብማእኸላይ ሕፅረት ምግቢ ዝሳቐዩ ህፃናት 30 ሚእታዊ ከምዝበፅሐ ኣረጋጊፁ።

ቀሺ መዓርግ መሓሪ፡ ህፃን ወዶም ብከቢድ ሕፅረት ምግቢ ተጠቒዑ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ደንጎላት ዝርከብ ትካል ጥዕና ብወረርቲ ሓይልታት ብምዕናውን መድሓኒት ስለዘይብሉን ናብ ኮምፕረሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር መፂኦም የሐክምዋ ከምዘለውን “ኣብ እዋን ወራር ስለዝተወለደ ህይወትና ክነድሕን ፈቐዶ በረኻን ፀሓይን እንትንጎይ ኣይተኸታተልናዮን ሕፅረት ምግቢ ኔርዎ” ክብሉ ገሊፆም።

ከምኡ እውን ዝነበረኦም እንስሳ ብከቢድ ብረት ወረርቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝተወደኣን ትሽዓተ ወርሒ ዝገበረ ውላዶም ኣብ እዋን ጥንሲ ኣትሒዙ “ህይወትና ንምድሓን ንኣዋርሕ ፈቐዶ በረኻ እናሓደርና ስለዝነበርና ኣዲኡ ምግቢ ኣይረኸበትን” ኢሎም።

በዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ፀሃይ በሪሁ ብወገና “ታሕሳስ ምስወለድኩ ብሓራሰይ ሰራዊት ኤርትራ ይቐትል ስለዝነበረ ሃዲምና ክልተ ሰሙን ኣብ በረኻ ምስቀነና ፀባ ጡብ ከውፅእ ስለዘይከኣልኩ እዩ ጠምዩ” ክትብል ተዛሪባ።

ፕሮፌሰር ኣፈወርቂ እቲ ዓለምለኻዊ መለክዒ ሓደጋነት ከቢድ ሕፅረት ምግቢ ህፃናት 2 ሚእታዊ እናሃለወ ኣብ ትግራይ 6.1 ሚእታዊ በፂሑ ከብቅዕ ማሕበረሰብ ዓለም “ስነ-ኣእምሯውን ኣካላውን መፍረያይነት መፃኢ ወለዶ ትግራይ ናብ ከቢድ ሓደጋ ዘእተወ ፈተና ዕፅዋ ንምፍታሕ ስጉምቲ” ዘይምውሳዱ ከምዘሕዘኖ ተዛሪቡ።

መጠን ማእኸላይ ሕፅረት ምግቢ እውን ኣብ 2011/2012 ካብዝነበረ 9.6 ሚእታዊ ሎሚ ናብ 30 ሚእታዊ ምዕባዩ ዘሻቐሎ ፕሮፌሰር ኣፈወርቂ እቲ ኣብ ህፃናትን ኣዴታትን ዝጀመረ መጠን ብሕፅረት ምግቢ ዝኽሰት ዘሎ ሞት ናብ ኣብዝሓ ህዝቢ መሊኡ ከይተዛመተ ማሕበረሰብ ዓለም ብኣየር ረዲኤት ብምክፍፋልን ብኻልኦት ብቅልጡፍ ናብቲ ዝጠመየ ህዝቢ ክበፅሕ ዝኽእለሉ ሜላን ሓገዝ ከቕርብ ፀዊዑ።

እቲ ሎሚ ተፈጢሩ ዘሎ ጥሜትን ዓፀቦን ብተፈጥሯዊ ድርቂ ከይኮነስ ብሰብ-ሰራሕ ዕፅዋን ክባን ዝተፈጠረ ብምዃኑ ነቲ መግለፅታት ኣብ ምውፃእ ዝተሸኸለ ማሕበረሰብ ዓለም ከይተረፈ “ታሪኻዊ ተሓታትነት ዘሰከመ ሓደገኛ ኩነታት” ከምዝኾነ ፕሮፌሰር ኣፈወርቂ ሙሉጌታ ሓቢሩ።