ኣብ ትግራይ፡ ኣስታት 200 ህፃናት ብሰንኪ ጥምየት ከምዝሞቱ ዘ ጋርድያን ጸብጺቡ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ 14 ሆስፒታል ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ ጥቅምቲ ኣስታት 200 ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመ ዘለው ህጻናት ብሰንኪ ጥምየት ከምዝሞቱ ዘ ጋርድያን ኣቃሊዑ።

ነዚ ኣመልኪቱ ምስ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ፃኒሒት ዝገበረ ሓላፊ ጥዕና ቢሮ ዶ/ር ሓጎስ ጎዲፋይ፡ ልዕሊ 186 ዝኮኑ ህጻናት ብሕጽረት ማዓዛ ዘለዎ ምግቢ ከምዝሞቱ ዝተዛረበ እንትኸውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢርዎ ዘሎ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ ጥዕና ትካላት ኣሕዲርዎ ዘሎ ጽልዋን ኮኒኑ።

ኣብ ሰሙን ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሰባት ብከም ኒሞንያ”ነድሪ ሳምባ” ውጽኣትን ዝኣመሰሉ ብቀሊሉ ዝሕከሙ ሕማማት ይሞቱ ከምዘለው ዝሓበረ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከኣ ብኤች ኣይ ቪ፣ መንሽሮ “ካንሰር” ከምኡ እውን ሽኮርያ ዝኣመሰሉ ሕማማት ህጹጹ ክትትልን ክንክንን ከም ዘድልዮምን እዚ ምቁፅጻርን እንተዘይተካኢሉን መድሓኒት ክቀርበሎም እንተተዘይጌሩን ኣዝዩ ሓደገኛ ምኳኑ ገሊጹ።

ስርዓት ኢትዮጲያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሰንኪ ዘንበሮ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ መድሓኒትን ካሊእ ኣድለይቲ ናውቲን ከይኣትው ሙሉእ ንሙሉእ ንኣዋርሕ ዝከልከለ እንትኸውን ካብ ዝሓለፉ ሰሙናት ድማ እተን ብውሑዱ ዝኣትዋ ዝነበራ ሰብኣዊ ሓገዝ መሊኡ ብምዕጻው ብሰብኣዊ ሓገዝ ንፖለቲካዊ መዋገይ ብዕሊ ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ይፍለጥ።