ፌስቡክ፡ ኣብ ኢትዮጲያ ዓመጽን ረብሻን ዘጎሃህሩ ጽሑፋት ክኣልን ክቆጻጸርን ከምዘይከኣለ ተገሊፁ።

ሰራሕተኛታት ፌስቡክ ብተደጋጋሚ ኣብ ኢትዮጲያ ዓመጽን ረብሻን ዘለዓዕሉ ጽሑፋት ክኣልይን ክቆጻጸርን እንተጸውዑ እኳ እቲ ትካል ግን እዚ ክገብር ከምዘይከኣለ ሾሊኾም ኣብ ዝወጹ ናይ ውሽጢ ሰነዳት እቲ ትካል የመላክቱ።

እቲ ማሕብራዊ መራከቢ ትካል ንኢትዮጲያ ግጭት ከጋጥመን ዝክእል ሃገራት ኣብ ዝብል ኣብ ዝለዓለ ትኩረት ክወሃቦ ኣብ ዝግባእ ቦታ ዘቀመጣ ዋላ እንተኾነ እቲ ብፌስቡክ ዝተገበረ እዚ ናይ ምቁፃር ጻዕሪ ምስቲ ኣብ መሬት ዝነበረ ነቲ ጎንጺ ዘጋድድ ትሕዝቶ ዘለዎም ጽሕፉት እንትነጻጸር ኣዝዩ ትሑት እዩ ኔሩ።

እቲ ብፍራንስ ሃውገን ዝተበሃለት ሰራሕተኛ ፌስቡክ ነበር ሾሊኹ ዝወጽአ ሰነዳት ከምዘመላክቶ ሰራሕተኛታት ፌስቡክ ንሓለፍቲ እቲ ትካል ፌስቡክ ከመይ ጌሩ ጸገም ብዘለዎም ሃገራትን ናይ ደገ ኣካላትን ኣብ ኢትዮጲያ ናይ ጽለኣት ዘረባን ዓመጽ ዘለዓዕል ንምብታን የገልግል ከምዘሎ እናተጠንቀቑ ዘርእይ እንትኸውን እቲ ትካል ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕን ኣብዚ ከባቢ ዝርከብ ህዝቢ ንምሕላው ዝገበሮ ጻዕሪ ትሑት ከምዝኮነ የቃልዕ።

ካብቶም ኣብ ኢትዮጲያ ዓመጽን ናይ ጽልኢ ዘረባ መስፋሕፍሕቲ ተባሂሎም ዝተጠቀሱ ሓደ ፋኖ እንትኸውን ፌስቡክ ናይዚ ጉጅለ ዝኮኑ ብርክት ዝበሉ ዝተኣሳሰሩ ኣካውንታት ኣብ ደገን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያን ዝረኸበ እንትኸውን ናይ ፌስቡክ ጉጅለ እዞም ኣካውንታት ክዕጸው ርኢቶ ዝሃቡ ዋላ እንተኾኑ እኹል ዝብሃል ስምጉምቲ ከይተወሰደ ተሪፉ እዩ።

ፍራንስ ሃውገን እቶም ውሽጣዊ ሰነዳት ፌስቡክ ክትኣካክብን ኣሽሊካ ክተወጽእን ዝገበራ ፌስቡክ ጉዳይ ኢትዮጲያ ዝሓዘሉ መንገዲ ከምዝኮነ ትዛረብ።

ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ከቢድ ዝብሃል ናይ ጽልኢ ከም ብሄር ናይ ምጽልእላእን ምሽይጣንን ስራሕ ቀዲሚ ካብ ዝተሰረሐሎም መራከብቲ ማሕበራዊ ሚድያ ሓደ እንትኸውን ሐዚ እውን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተኣወጀ ጭፍጫፍ ዝስፋሕፈሐሉ መድረክ ኮይኑ ይርከብ።

ፍራንስ ሃውገን፡ ብስንኪ ፌስቡክ ነዚ ጉዳይ ዝህቦ ዘሎ ትኹረት ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎ ሰብ ከምዝመውት ዘጠንቀቐት እንትኸውን ፌስቡክ ብቋንቋ እንግሊዝ ናይ ዘይጸሓፉ ትሕዝቶታት ዝህቦ ትኩረትን ክትትልን ኣዝዩ ትሑት ከምዝኮነ ትዛረብ።

ድሕሪ እቶም ብፍራንስ ሃውገን ዝተቃልዑ ውሽጣዊ ሰነዳት ፌስቡክ እቲ ትካል ኣብ ከቢድ ጽዕንቶ ዝወደቐ እንትኸውን እዚ ንምቅራፍ ኣብ ምርብራብ ከምዝርከብ ብተደጋጋሚ ኣብ ምግላጽ ይርኸብ።

ኣብ ቀረባ እዋን ህዝቢ ንዓመጽ ዘለዓዕል እዩ ዝበሎ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናይ ፌስቡክ ጽሑፍ ካብ ገጽ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዘጥፍአ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ዓመጽን ጽልእን ዘስፋሕፍሑ ደገፍቲ መንግስቲ ኢትዮጲያን ብልጽግናን ካብ ልጣፍ ጽሕፉ ምጥፋእ ክሳብ ኣካውንት ምዕጻው ዝበጽሕ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ይርከብ።

ካብ ወርሒ ግንቦት 2013 ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ፌስብክ ኣብ ልዕሊ 92 ሽሕ ልጣፋት ስጉምቲ ወሲደ እየ ዝበለ እንትኸውን ብኣምሓርኛ ናይ ዝጸሓፉ ብሕሶት ኣካውንት ዝንቀሳቀሱ ፖለቲከኛታትን ጉጅለታትን እውን ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ከምዘወገደ ኣፍሊጡ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኮኑ ብርኽት ዝበሉ ናይ ማሕበራዊ መራከቢ ሚድያታት ስጉምቲ ዝወሰደ እንትኸውን ካብ ትዊተር፣ዩቱብን ካልኦት መራከቢ መገድታትን እውን ክእገዱ ስጉምቲ እናተወሰደሎም ይርኸቡ።

እንተኮነ ፌስቡክ ናይ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኣካውንታት ብምልኦም ካብ ፌስቡክ ክእለዩ ከም ትካል ዝወሰነ እንትኸውን ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ጎነጽ ክስፋሕፋሕን ኣብ ልዕሊ ብሄራት ጽልኣት ክፍጠር ዝገብሩ ዘለው ሓይልታት ሓዲጉ ብመርሆ ናይ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኣካውንታት ክዕጸው ምግባሩ ተቋውሞታት እናገጠሞ ይርኸብ።