ኖርወይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩን ኦሮሞን ዝግበር ዘሎ ጅምላዊ ማእሰርቲ ኮኒና።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ ኣብ ትዊተር ገጹ ኣብ ዝጠቀዖ ጽሑፍ ህጻውንትን ኣረጋውያንን ዝሓወሰ ኣብ ልዕሊ ተጋሩን ኦሮሞን ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝፍጸም ዘሎ ጅምላዊ ማእሰርቲ ከምዝኹንኖ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ እቶም ብጅምላ ዝግፈፉ ዘለው ተጋሩን ኣሮሞን ብዘይ ዝኾነ ምድንጓይ ጠበቃ ክረኽቡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ ዘተሓሳሰበ ኮይኑ ተጻብኦ ብህጹጽ ደው ክብልን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክክፈትን ወሲኩ ጽዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጲያ ዝነብሩ ተጋሩ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ብሄር መሰረት ብምግባር እናገፈፈ ኣብ ኮንሰንትሬሽን ካምፕ እናኣሰሮም እንትኸውን ቤተሰብ ከይሓቶምን ምግቢ ከይረኽቡን ብምግባር ሕጊ ይኹን ህዝቢ ኣብ ዘይፈልጦም ሓደሽቲ ቤት ማእሰርቲታ እናሳቀዮም ከምዝርከብ ዝፍለጥ እዩ።