ሕቡራት ሃገራት ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝተኣሰሩ ሰራሕተኛታቱ ክፍትሑ ጸዊዑ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣንቢሩ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምብጻሕ ተዋፊሮም እንከለው ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታት ሕብራት መንግስታት ክፈትሕ ወሃቢ ቃል ኣተንዮ ጉተሬዝ ጸዊዑ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 72 ገናሕቲ መኪናን ካልኦት 10 ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምእሳሩ ዝፍለጥ እንትኸውን ካብቶም 72 ዘወርቲ መኪና ሰብኣዊ ሓገዝ እቶም ፍርቂ ከምዝትፈትሑ እቲ ዋሃቢ ቃል ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተረፉ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዋና ጻሓፊ እቲ ትካል ዝፈልጦ ዝተመስረተ ክሲ ከምዘየለን ንምንታይ ከምዝተኣሰሩን ከምዘይፍለጥ ዘብረሀ እንትኸውን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዘይሻራውን ወሳንን ስራሕ ከምዘሳልጡ ብምሕባር መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ ማእሰርቲ ጠጠው ክብል ጸዊዑ።

ካብዚ ብተወሳኪ እቲ ወሃቢ ቃል ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጲያ ብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ጠጠው ከብሉን ክኹኑን ጸዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ከም ፖሊሲ እታ ሃገር ሒዙ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ንፍጻም ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝን ትካላትን ኣብ ምእሳርን ካብታ ሃገር ኣብ ምስጓግን ዝርኸብ እንትኸውን ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ንፖለቲካዊ ጉዳያት መዋገይ ገይሩ ከምዘቅርቦ ንኣተንዮ ጉተሬዝ ምዝራቡ ብሉንበርግ ከምዝጸብጸበ ዝዝከር እዩ።