ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኢትዮጵያ ኣትያቶ ዘላ ቅልውላው ኲናት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክፍታሕ ኣይኽእልን ኢሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶንዮ ብሊንከን፡ ኣብ ኬንያ ምስ ፕረዚዳንት ኬንያ እሁሩ ኬንያታን ላዕለዎት ሰበስልጣናት እታ ሃገርን ተራኺቡ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ ንኣሜሪካን ኬንያን ኣዚዩ ከምዘሻቐለንንን እቲ ዕግርግር ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ንጎረባበታ እውን ጽልዋ ከምዝፈጥር ኣብሪሁ።

ልኡኽ ሕቡረት ኣፍሪቃ ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንኽሰፍን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣመሪካ ከም እተድንቖን ከም እትድግፎን ብምሕባር፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን እውን ምስ ኩሎም እቶም ንሰላም ዝጽዕሩ ዘለዉ ወገናት ብምዃን ይሰርሕ ከምዘሎ ብሊንከን ገሊፁ።

እቲ ሚኒስትር ኣብ መግለፂኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣመሪካውያን ካብ ኢትዮጵያ ንኽወጽኡ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ኣዚዩ ከምዝተሻቐለን እቲ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ኵናት ንሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ።

ከምኡ እውን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ዝገብሩዎ ገስጋስ ደው ከብልዎን ብዘይቅድመ ኹነት ንዘተ ቅሩባት ክኾኑን ብሊንከን ሓቢሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣትያቶ ዘላ ቅልውላው ኲናት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክፍታሕ ከም ዘይኽእል እውን ብሊንከን ኣጠንቂቁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታትን ሰራሕተኛታት ኤምባስን ኣሜሪካ ድሕነቶም ምሕላው ቀንዲ ሓላፍነት መንግስቲ ኣሜሪካ ምዃኑ ብምግላፅ ቅድሚ ሰሙናት ጀሚሩ ድማ ካብታ ሃገር ክወፁ ከምዝፀወዐ ኣረዲኡ።

ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ቅድሚ መዓልታት ዓቕሚ ሰቡ ከጉድል ከምዝተነግሮ ብሊንከን ገሊፁ።

ብተወሳኺ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ኩሎም ሓይልታት ኲናት ደው ኣቢሎም፡ ኣፈላላዮም ብልዝብ ክፈትሑ ዝኽእልሉን ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ንምብጻሕን ዓበይቲ ዕድላትን ተኽእሎታትን እምነት ከምዘለዎም ሓቢሩ።