ኣብ ትግራይ፡ ዝዓነወ ንብረት መሊሱ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ኣባላት ገድሊ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ ይሰርሑ ከምዘለው ተገሊፁ።

ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ዋዕላ ገድሊ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ፡ ትግራይ ንምህናፅ ግደ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝለዓለ ብፂሒት ከምዘለዎ ኣባላት ገድሊ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ ገሊፆም።

ብምዃኑ እውን ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ግደ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝለዓለ ብፂሒት ከምዘለዎ ብምእማን ኣባላት ገድሊ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ፣ ብፋሽሽታዊያን ወረርቲ ሓይልታት ዝዓነው ንብረታት ብምፅጋንን ሓደሽቲ ፈጠራታት ብምምሃዝን ይሰርሑ ከምዘለው ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ።

እቶም ኣባላት ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ብዘለዎ ሞያ ኣካል እቲ ዘግበር ዘሎ ቃልሲ ገይሩ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ እጃሙ ክፍፅም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ህዝቢ ከም ህዝቢ ንኽጠፍእ ዓሊሞም ኣብ ዝወፈርሉ እዋን ዕቑር ልምድን ክእለትን ብዘለዎም ተጋሩ ህለወ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ገድሊ ሳይነስን ቴክኖሎጅን ምህዞን ትግራይ ዝብል ዉዳበ ከምዝተጣየሸ ዝፍለጥ እዩ።

ሃገራት፣ ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ሳይነስን ቴክኖሎጅን ጉልበተንን ገንዘበንን ፈሰስ እንትገብራ ናይቲ ማሕበረሰብ ናይ ናብራ፣ ጉልበት፣ ግዘ፣ ዱሑራት ልምድታት ተወጊዶም ዝተመሓየሸ ናብራን ርድኢትን ዓለም ክህልዎም ከምዝገብር ይግለፅ።