ጋዜጠኛ ሶላን ኮሊ ኣብ ኲናት ትግራይ ንዘካየዶ ፀብፃብ ተሸላሚ ሮሪ ፔክ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ወዲ 32 ዓመት ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ፍሪላንሰር ሶላን ኮሊ ብዛዕባ ጨፍጫፍ ተጋሩ ንማዕኸን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ብዘቕረቦም ፀብፃባት ተሸላሚ ሮሪ ፔክ ኮይኑ።

ድሕሪ እቲ ሽልማት ሳላን ኣብዚ ዓመት እቲ ኩነታት ብዝበለፀ መልክዑ ዝፀብፀቡዎ ጋዜጠኛታት ብምንባሮም ንሱ ተመሪፁ ምሽላሙ ከምዝተሓጎሰ ገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንሸውዓተ ዓመታት ፀብፃባት ቪድዮ ዝሰርሐ ኮሊ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ማይካድራ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ተጋሩ ዝተፈፀመ ቅትለት ዘርእዩ ጅምላ መቓብራት ንመጀመርታ ጊዜ ቀሪፁ ዘርኣየ እዩ።

ዝተበርከተሉ ሽልማት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ግዳያት ኲናት ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ዝቐረፆም ምስልታት ዘለው ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ትግራይ ብዘይፍትሓዊ ኲናት እንዳተሳቐዩ ዝርከቡ ተባዓት ህፃውንቲ፣ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተብዓትዮን መዘከርታ ክኾነሉ ውን ወሲኑ ኣሎ።

ካብ 2014 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ንድሓር ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ሽልማት ሮሪ ፔክ ክስዕሩ እዚ መበል ሓምሻይ ጊዜ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሽልማት ሮሪ ፔክ ፍሪላንስ ጋዜጠኛታት ተንቀሳቓሲ ምስሊ ንምብርትታዕን ኣፍልጦ ንምሃብን ብ1995 ዝተመስረተ ትካል ዩ። እቲ ሽልማት ኣብ ሞስኮ ብ1993 ንዝተቐተለ ጋዜጠኛ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝነበረ ሮሪ ፔክ መዘከርታ ዝወሃብ ዩ።