ኣሜሪካ ናብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ በረራ ንዝገብሩ ኣብረርቲ ኣጠንቂቓ።

ኲናት ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንዳቐረበ ብምምፅኡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝዓርፋ ነፈርቲ ንመጥቃዕቲ ክቃልዓ ይኽእላ እየን ክትብል ኣሜሪካ ንኣብረርቲ ኣጠንቂቓ።

ኣብዚ ካብቶም ኣብ ኣፍሪካ ብዝሒ በረራ ዘተኣናግዱ ሓደ ዝኾነ መዕርፎ ነፈርቲ ዝዓርፋ ኣውሮፕላናት ንቀጥታን ተዘዋዋርን ናይ ምድርን ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ዝትኮሱን ኣፀዋራት ግዳይ ክኸውን ይኽእል ዩ ኢላ ኣሜሪካ።

ኣማኻሪ ምምሕዳር ፌደራል ኣቬሽን ኣሜሪካ ትማሊ ሮቡዕ ኣብዘውፀኦ መጠንቃቕታ እቲ ኣሽሓት ሰባት ዘበልዕ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዘሎ ኲናት ሕዚ ውን ይቕፅል ኢሉ።

ኣሜሪካ ኣብዚ ሰሙን ዜጋታታ ከምናይ ኣፍጋኒስታን ዓይነት ምጉዕዓዝ ከይፅበዩ ብምትሕስሳብ ሕዚ ክወፁ ደጊማ ደጋጊማ ምፅዋዓ ይዝከር።