ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ “ብፎኲስ ብረት፡ ግን ከኣ ሓያል ቅልጣፈ፡ ብውሑድ መግቢ ግን ከኣ ሓያል ወነን ቈራጽነትን ይምክቱ ከምዘለው ኣሰናዳኢ ቢቢሲ ትግርኛ ነበር ሳሙኤል ገብረሂወት ገሊፁ።

ሺሾ ሰራዊታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ሶማሊያ፣ ኣምሓራን ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያን ናብ ሓመድ ብምቕያር “ሕሩጭ ኮይኑ ኣብ ኣየር ተበቲኑ” ዝተብሃለ ሰራዊት ትግራይ ሓመድ ልሒሱ ድሕሪ ምልዓል መስተንክር ይሰርሕ ምህላው ብርክት ዝበሉ ሙሁራትን መራኸብታት ዓለም እንዳገለፁ ይርከቡ።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ብኣመሪካ ዝኽበር ዝነበረ ዘይድፈር ሓይሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ብዝተኸስተ ቅልውላው፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ከቢድ ክሳራ ስለዘጋጠሞ፡ መንግስቲ፡ ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ዘበለ ዜጋ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ንክዋጋእ ክኸትት ጻውዒት ምቕራቡ ዘዘኻኸረ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ካብ ስልጣን ተኣልዩ ናብ ጎቦታት ትግራይ ዝተደፍአ ሰራዊት ትግራይ ዳግማይ ተወዲቡ ንመቐለ ድሕሪ ምእታው ኣብ መስመር ኣዲስ ኣበባን ምስ ጂቡቲ ዝዳወባን ከተማታት ይቆጻጸር ኣሎ ኢሉ።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፋይዛል ሮብለ ካብ መደበኛ ውግእ ናብ ደባያዊ ቅዲ ኵናት ዝተሰጋገረ ሰራዊት ትግራይ፡ ኣጥቂዖም እናተሰወሩ ንሰራዊት ፈደራል ድሕሪ ምድኻም፡ መሊኦም ንክስዕሩዎ ጸረ መጥቃዕቲ ፈንዮም” ይብል ቢቢሲ ከምዝዘገቦ።

እዚ ጅግንነት ንተጋሩ ናይ መጀመርታ ከምዘይኮነ ዝዛረቡ ሙሁራት ታሪኽ ሰራዊት ትግራይ ፀኒዑ ንኽዋጋእ ካብዝገብርዎ ቀንዲ ነገራት ኣብ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከም ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለትን ምዕናው ዘራእትን ዝኣመሰለ ግፍዕታት ስለዝተፈፀመ ምዃኑ ይሕብሩ።

ካብ ኣንደበት ኣባላት ምክልኻል ትግራይ ወትሩ ዝስማዕ ቃል ውን ንሱ እዩ።

ኣብ ገዝኦም ኮፍ ኢሎም ውን ዝምሕሮም ፀላኢ ስለዘየለ ሞት ንሞቱ ምስ ፀላኢ እንዳተታኾሱ መስዋእቲ ከምዝመርፁ ይዛረቡ።

ከምኡ እውን “ትግራዎት ካብ ኵሉ ክፋላት ሕብረተሰብ፡ ክብሮም ንምሕላው ምስ ህወሓት ናብ ቃልሲ ውሒዞም” ዝበለ ሳሙኤል “ወለዲ ንደቆም፡ ‘ኣብ ገዛ ካብ እትሞቱ፡ ኬድኩም ተቓለሱ’ ኢሎም ኣተባቢዖሞም። እቲ ኲናት ኣብ መንጎ ህወሓትን እቲ ሰራዊትን ዘይኮነስ፤ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊትን ኮይኑ ” ከኣ ይብል።

ኣብ ልዕሊ ስአላማውያን ተጋሩ ምዕራብ ትግራይ፣ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያን መቕተልቲ፣ ማእሰርትን ንብረት ዘረፋን ዝቐፀለ ኮይኑ እዚ ንቲ ሰራዊት ንድሕሪት ከይጥምት፣ ፀላኢ ደምሲሱ ንህዝቡ ራህዋን ሰላምን ከንግስ ዝደፍኦ ሓደ ዓብይ ምኽንያት ምዃኑ መንግስቲ ትግራይ ውን እንዳገለፀ ምምፅኡ ይዝከር።
ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ 300 ኪ.ሜ. ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ካብቶም ዝሓየሉ ሰራዊት ዝነበረ ሓይሊ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ኢድ ሒዞም ይዋግኡ ከምዘለው ይፍለጥ።