ፈብሪካታት ዓለባ ኢትዮጵያ ብዘሎ ሕማቕ ኹነታት ምኽንያት ስርሖም ደው የብሉ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

እታ ብናህሪ ዝዓቢ ቁጠባ ዝነበራ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣንፈታ ቐይራ መንገዲ ቑልቁለት ስለዝሓዘት ብዙሓት ፋብሪካታት ስርሖም ደው ብምባል ካብ ዓዲ ይወፁ ምህልዎም ኣሶሼትድ ፕሬስ ሓቢሩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ነቊጦም ዝነበሩ ፋብሪካታት ጨርቃጨርቂ ግዳይ ሳዕቤን እቲ ሓደ ዓመት ዘመዝገበ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ደማዊ ዂናት ኮይኖም ኣለዉ።

ካብዚኣቶም ኣብ ቀረባ ስርሑ ጠጠው ከምዘበለ ዝሓበረ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ነቑጡ ዝነበረ ፋብሪካ ዓለባ ፒቪኤች ኮርፕ፣ ኣሜሪካ ንፋብሪካታት ኢትዮጵያ ሂባቶ ዝነበረት ካብ ቀረፅ ናፃ ሰደድ ናይ ምግባር ዕድል ካብ ጥሪ ሓደ ጀሚሩ ስለዝቋረፅ ኣብ ዕዳጋ ክጸንሕ ከምዘይኽእል ብምሕባር ፋብሪክኡ ከምዝዓጸወ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ጠጠው ብዘይምባሉ ኢትዮጵያ ካብቲ ሰደድ ዝግበሩ ኣቑሑ ብናፃ ቀረፅ ንኣሜሪካ ክኣትዉ ዝፈቅድ ‘’ኣገዋ’’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ስምምዕነት ከምዝሰረዛ ዝፍለጥ እዩ። ነዙይ ስዒቡ ብዙሓት ፋብሪካታት ይዕፀዉ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን በዚ ውሳነ ኣሜሪካ ምኽንያት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰብ ካብ ስራሕ ወፃኢ ከምዝኸውንን በብዓመቱ ካብ ቀረፅ ናፃ ዕዳጋ ዝረኽቦ ዝነበረ ልዕሊ ክልተ ሚኢቲ ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዝስእንን ምግላፁ ይዝከር።
እቲ ኣብዚ ሰሙን ስርሑ ጠጠው ከምዘብል ዕላዊ ዝገበረ ፋብሪካ ጨርቃጨርቂ ፒቪኤች ኮርፕ ኣብ ጥሕቲኡ ቶሚ ሄልፊገርን ካልቪን ክሌይንን ዝብሃሉ ፍሉጣት ብራንድ ዓለባ ዘፍሪ ትካል እዩ። ብተመሳሳሊ እቲ ካልእ ብዓለም ደረጃ ፍሉጣት ክዳውንቲ ዘፍሪን ተጠቃሚ ዕድል ናፃ ዕዳጋ ኣገዋ ዝኾነ ‘’ ኤች ኤንድ ኤም’’ ዝብሃል ኣብ ፓርኪ ኢንዱስትሪ ኣዋሳ ዝርከብ ፋብሪካ ጨርቃጨርቂ እውን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝኣወጆ ጆኖሳይዳዊ ዂናት ምኽንያት ድሕንነትን ፀጥታን እታ ሃገር እናተበላሸወ ብምዃዱ ኢትዮጵያ ንንግድን ኢንቨስትመንትን ዘይትምቹ ዓዲ እናኾነት ትኸይድ ከምዘላ እቶም ዝዕፀዉ ዘለዎ ፋብሪካታት መርኣያታት እዮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዝርከብ ብኣይኤምኤፍ ኮነ ካልኦት ትካላት ገንዘብ ዓለም ንምግማት ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ምግላፆም ይዝከር።