ፕሬዝደንት ጆ ባይዳን ኣብ 2022 ዓመተ ፈረንጂ ምስ መራሕቲ ኣፍሪካ ክዛተዩ ምዃኖም ተገሊጹ።

ኣብቲ ወርሒ ዝተረፎ ሓዱሽ ዓመት ፈረንጂ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ምስ መራሕቲ ኣፍሪካ ናይ ምዝታይ ትልሚ ከምዘለዎም ተፈሊጡ።

ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጹ ሓበሬታት ከምዘመላክትዎ  እንተኾይኑ ፕሬዝደንት ባይደን ኣብቲ ዘተ “ህንጸት ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን እና ጥምረት” ኣትኲሮም ከምዝዝትዩ የመላክቱ።

ኣብ ኣፍሪካ ዕውደት እናገበረ ዝርኸብ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜርካ ኣንተንዮ ብሊንከን ኣብ ናይጀርያ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣሜርካ ካልኣይ ናይ ኣሜርካ-ኣፍሪካ መራሕቲ ዋዕላ ከም እተዳልው ተዛሪቡ።

ኣብቲ ካልኣይ ናይ ኣሜርካ ኣፍሪካ መራሕቲ ዋዕላ ናይ ኣፍሪካን ኣሜርካን መራሕቲ መጻኢ ዕድል ማሕበረሰ ዓለም ኣብ ዝውስኑ ዋና ዛዕባታት ንምዝታይ ከምዘገልግል ወሲኹ ተዛሪቡ።

እቲ ዋዕላ መዓዘን ኣበይን ከምዝግበር ብሊንከን ዝሓበሮ ነገር የለን።

ነዊሕ ዓመታት ዘቆጸረ ርክብ ኣሜርካን ኣፍሪካን ኣብ ዘመን ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ተዘሓሒሉ ዝነበረ ርክብ ምምሕዳር ጆ ባይደን ካብ እንደገና ናብ ምጽጋን ዝኣተወ እንትኸውን ንኣፍሪካ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ጥራሕ ሰፊሕ ኣድህቦ ጌሩ ኣብ ምቅስቃስ ይርከብ።