ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ዝወፀ ፀብፃብ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብዘካየዶ ዋዕላ ብምትሕብባር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን መፅናዕቲ ኣካይድና ኢሎም ዘውፅእዎ ሪፖርት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ብምሕባእ ገበነኛታት ንምሕባእን ንምብርትታዕን ዝዓለመ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ቦርድ ሕብረት ማሕበረሰብ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ (ሕማሲማት) ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር “እቲ ተኻይዱ ዝተብሃለ መፅናዕቲ ኣብ ኣምሓራ እዩ እቲ ምፅናት ዘርኢ ዝተፈፀመ ኣብ ትግራይ” ክብል እቲ ሪፖርት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ከምዘይፈተሸ ኣብሪሁ።

ዳይሬክተር ሕማሲማት ኣይተ ዘሚካኤል ገብረመድህን ኮነ ተባሂሉ ሲቪል ማሕበራት ትግራይ ኣብቲ መፅናዕቲ ከይሳተፋ ብምግባር እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ሓቂ ከይቐርብ እቲ ገበን ዝፈፀመ ኣካል ንምሕባእ ከምዝተሰረሐሉ ኣመላኻቲ ምዃኑ ጠቒሱ።
ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር እኖታት ንእኖታት ኣይተ ኣሸናፊ ኣስመላሽ ኣብ ትግራይ ብሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን “ብግፍዒ ዝተቐተሉ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝን ሲቪል ማሕበራትን ኣብቲ ሪፖርት ዘይምክታቶም” ሓቢሩ።

እቲ ዝወፀ ሪፖርት ብስም ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብቲ ኲናት ግፍዕታት ንዝፈፀሙ መንግስቲ ኢትዮጵያን መዳርግቱን ካብ ተሓታትነት ንምድሓን ዝተሰረሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣዶ ወንበር ማሕበር ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ወ/ሮ ኣበባ ሃይለስላሰ “ወረርቲ ሓይልታት ኣዴታት ትግራይ ዘርኢ ከይትክኣ ማህፀን ክሳብ ምቅፃል ዝበፅሕ ግፍዓዊ ፆታዊ ዓመፃት ብምፍፃም ‘ደምኪ ንምንፃህ ኢልና ኢና’ ኢሎም ብጉጅለ ደፊሮም ከብቅዑ” ተገልቢጦም ምፅናት ዘርኢ ኣይተፈፀመን ዝብል መደምደምታ ሒዞም ምምፅኦም ኣብ ልዕሊ ቁስሊ ጨው ምንስናስ ከምዝኾነ ገሊፃ።

ወ/ሮ ኣበባ ወሲኻ እቲ ብፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐ ኣካላውን ስነ ኣእምሯውን ማህሰይቲ ኣዴታትን ህፃናትን ትግራይ ፍትሒ ብዘይምርካብ ንተወሳኺ ጉድኣት ዘቃለዐን “ንትግራዋይ ከፅንት ግፍዕታት ዝፈፀም ሓይሊ ንምድሓን ዝተገበረ” ከምዝኾነ ሓቢራ።

ኣይተ ኣደራጀው ሽሻይ ካብ ቢሮ ጉዳይ ሰራሕተኛን ማሕበራዊን ትግራይ ብወገኑ “ህዝቢ ትግራይ ንምጭፍጫፍ ብዝተፈላለዩ ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ቴክኖሎጂታትን ዝተኸልከለ ኬሚካላዊ ኣፅዋርን” ኣብቲ ፀብፃብ ዘይምክታቱ እቲ መፅናዕቲ ንፍትሕን ፍትሓውነትን ከምዘይተበገሰ ሓባሪ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ሕማሲማት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ቅዋም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዓመታት ዝካየዱ ዘለው ግፍዕታት ምፅናት ዘርኢ ይቕፅሉ ምህላዎም ብምሕባር እቲ ዝወፀ ፀብፃብ ንሓደ ኣካል ዝወገነን ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ዘየርኢን ምዃኑ ጠቒሱ።

ብተወሳኺ እውን እቲ ሕብረት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጥይት፣ ፆታዊ ዓመፅ፣ ጥሜት፣ ክልከላ ማሕበራዊ ግልጋሎትን ርክብን ከምመሳርሒ ዝተጠቐሙ ወፍርታት ብዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ ትካል ተፃርዮም ተሓታትነት ዝረጋገፀሉ ኣምሃራይ ስጉምቲ ክውሰድ ፀዊዑ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸበ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ወፃኢ ትግራይ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ምፅናት ዘርኢ ኣብዪ ኣሕመድን ካልኦት ወረርቲ ሓይልታትን ፈፀምቲ “ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ድማ ሸፋናይ ክኸውን ኩሎም ዓይነታት ርክብን ሚድያን ብምዕፃው ተሓሲቡሉ ዝተፈፀመ” ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዚ ዓይነት ነባራዊ ኩነታት ዘይገልፅ ፀብፃብ ውፅኢት ምርመራ ኢሉ እንተቕርብ “ስቓይና ክስመዖም ከምዘይከኣለ” ኣመላኻቲ ምዃኑ ሓቢሩ።

ምርግጋፅ ፍትሒ ካብ ውሽጣዊ ጥንካረ ህዝቢ ትግራይ ከምዝብገስ ዝገለፀ ኣምባሳደር ወንድሙ እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ብዝተወደበ መልክዑ ኣብ ምስናድ “ደንጒና ዶ ንኸውን ዝብል ሰኸፈት ኣለኒ” ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ንምፅናዕ ዝተጣየሸ ኣካል ምህላው ብምጥቃስ መንግስቲ ትግራይ ምስ ሲቪል ማሕበረሰብን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተዋዲዱ ከምዝሰርሕ እቲ ኣምባሳደር ቃል ኣትዩ።

ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ትግራይ ዝተኻየዱን ዝካየዱ ዘለውን ግፍዕትታት ንምምርማር ትካላዊ ናፅነትን ዘይሻራውነትን ከምዘይብሉ ብምሕባር ንተሳትፎ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ከምዘይቕበሎ ክገልፅ ምፅንሑ ኣዘኻኺሩ።