መሰል ዓርሰ ዉሳነ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ቅልፅም ትግራዋይ ዝተሞርኮሰ ከምዝኾነ መንግስቲ ትግራይ ኣብዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያን ተሓባበርቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሕዎ ከቢድ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ቅልዉላዉ ከይኣክል ብዕለት 11 ሕዳር 2014 ዓ/ም ኣብ ማእኸል ከተማ መቐለ ኣብ መንበሪ ንፁሃን ወገናት ብዘብፅሕዎ ደብዳብ ከቢድ ጉድኣት ከምዘብፀሐ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ ገሊፁ።

ብኻሊእ ገፅ ድማ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ; ኣዲስኣበባን ካልኦት ክልላትን ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ብመንነቶም ጥራይ ንኽእሰሩ; ንኽሳቐዩ;ንኽቕተሉን ዝግበር ዘሎ ተግባር ፋሽሽታዉያን ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ስለዝኾነ እዉን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፃዕረ ሞት ኮይኖም እዉን ግፍዕታቶም ጠጠዉ ስለዘየበሉ ኣብ ዉሽጢን ደገን ዘሎ ትግራዋይ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝጀመሮ ተጋድሎ ኣሐይሉ ክቃለስ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።

ስለዝኾነ እዉን መሰል ርእሲ ዉሳነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኾነ ዋጋ ዕዳጋ ዘይቐርብ ምዃኑ ዘገንዘበ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ ሐዚ እዉን መሰል ዓርሰ ዉሳነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅልፅም ትግራዋይ ዝረጋገፅ ምዃኑ እቲ መግለፂ ኣረጋጊፁ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ገበን ጆኖሳይድ ትግራይን ኣብ ምግፋዕ ተጋሩ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝተሳተፉ ኣካላት ካብ ኢድ መንግስቲ ትግራይ ከምዘየምልጡን ናይ ኢዶም ከምዝርኸቡን መግለፂ መንግስቲ ትግራይ ኣረጋጊፁ።