ፈረንሳይን ጀርመንን ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕመጡ ዜጋታተን ብቕልጡፍ ንኽወጽኡ ጸዊዔን።

ፈረንሳይ ዜጋታታ ብህፁፅ ካብ ኢትዮጵያ ክወፁኡ ዝፀወዐት ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝመፀ ቅልውላው ኲናት ምዃኑ ተገሊፁ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ናብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ፡ ኣዲስ ኣበባ እናተፀገዑ ድሕሪ ምምፅኦም ኣብታ ሃገር እቲ ቅልውላው ኲናት ክጋደድ ከምዝኽእል ብምእማት ፈረንሳይ ዜጋታታ ክወፁኡ ከምዝፀወዐት ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ፀብፂቡ።

ብምዃኑ እውን ኩሎም ዜጋታት ፈረንሳይ ከይደንጎዩ ብህፁፅ ክወፁኡ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ንኤምባሲ ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ኣቃሊሑ።

ብተዛማዲ ዜና ጀርመንን ቱርክን እውን ኣብ ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝመፅእ ዘሎ ኲናት ከምዘሻቐለንን ዜጋታተን ካብ ኢትዮጵያ ብዝረኸብዎ ነፈርቲ ንግዲ ክወፁኡን ፀዊዐን ኣለዋ።

ክሳብ ሕጂ ሃገራት ኲየት፣ ኣሜሪካ፣ ኢንግሊዝ፣ ካናዳ፣ ሊብያ፣ ዛምብያ፣ ሩስያን ቻይናን ካልኦት ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ቅልውላው ኲናት ዝተሻቐላ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዜጋታተን ካብ ኢትዮጵያ ንክወፁ ከምዝፀወዓ ዝዝከር እዩ።