“ርእሰ ተኣማንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ እጠራጠሮ’የ” ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጀፈሪ ፌልትማን።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንመበል ካልኣይ ግዜ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘቅነዐ ፉሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጀፈሪ ፌልትማን ትማሊ ኣብ ዋሽንግተን ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቡ።

ብሰንበት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ረኪቡ ዘዘራረበ እቲ ፍሉይ ልኡክ: ቀንዲ ዕላማኡ ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ምውጻእ እዩ ከምዝበሎ ዝተዛረበ እንትኸውን እዚ እውን ብሙሉእ ዓርሰ እምነት ንሰራዊት ትግራይ ደፊኡ ካብተን ክልላት ከምዘውጾኦም ከምዝነገሮ ጀፈሪ ፌልትማን ተዛሪቡ።

እንተኾነ እዚ ዓርሰ እምነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ እጠራጠሮ እየ ዝበለ እንትኸውን ሰራዊት ኢትዮጲያ ኣብ ወርሒ ንሓሰ ካብ ትግራይ ካብ ዝወጽእ ንነዘ ዘሎ ነገር ኣብ ካርታ ክትርእዮ ተለኻ ዓርሰ እምነት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ትጠራጠሮ ክብል ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ንሰራዊት ትግራይ ካብተን ክልላት ደፊኢካ ንምውጻእ ዘለዎ ዓቅሚ ከምዘጠራጥሮ ነቶም ጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ምኽልካል ዋና ዕላማ እቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ፈንጺሕካ ምውጻእ ከምዝኮነ ነጊሮሙኒ እዮም ዝበለ ጀፈሪ ፌልትማን እዚ ዓላማ እዚ ንሱ እውን ከምዝኣምነሉ ተዛሪቡ። መንግስቲ ኢትዮጲያ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይበጽሕ ዝፈጥሮም ዘሎ ዓንቀፍቀፋት ከልዕልን ዝገብሮ ዘሎ ወታደራዊ ወፍሪታት እውን ደው ከብል ዝጸወዐ እንትኸውን ብካሊእ ወገን ድማ ሓይልታት ምክልካል ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብርዎ ዘለው ገስጋስ ደው ከብሉ ጸዊዑ።

እቲ ኲናት ብዘተ ጠጠው ንምባል ዝግበሩ ዘለው ጻዕሪታት ኣመልኪቱ ጀፈሪ ፌልትማን ሓዱሽ ምዕባለታት ከምዘለው ዝተዛረበ እትኸውን እንተኾነ ግን እቲ ወታደራዊ ምዕባለ ከይቅድሞም ከምዘስግኦ ከይሓብአ ተዛሪቡ።

ወታደራዊ ምንቅስቃስ ሓይልታት ምክልካል ትግራይ ኣመልኪቱ ዘለው ምዕባታት ብጋዜጠኛታት ዝተሓተተ ጀፈሪ ፌልትማን ሓይልታት ምክልካል ትግራይ ብኣንፈት ዓፋር ናብ ሚሌ እናተጸገዐ ከምዘሎ ዝሓበረ እንትኸውን ብኣንፈት ኣዲስ ኣበባ ድማ ሓይልታት ምክልካል ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ መንገዲ ናይ ምክልካል መስመር ፈጺሑ ኣጣየን ሽዋሮቢትን ብምቁፃር ናብ ደብረሲና የምርሕ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ንዝተወሰነ እዋናት ወታደራዊ ምቅስቃስ ሰራዊት ትግራይ ርግዕ ኢሉ ጸኒሑ እዩ ዝበለ ጀፈሪ ፌልትማን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ብፍጥነት ምቅስቃስ ከምዝጀመረን እዝዩ ከምዝተሓሳስቦን ገሊጹ።

ሰራዊት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተጸገዐ ብዝመጸ ቁጽሪ ካብቲ ዘተ ዝጠልቦም ነገራት እናወሰኸ ከምዝመጽእ ዝተዛረበ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ሓይልታት ምክልካል ትግራይ መንገዲ ጁብቲ ኣዲስ ኣበባ ክቆርጹን ናብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ክኣትውን ከምዘይደሊ ተዛሪቡ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ ሐዚ ካብቲ ዘድሊ 12 ሚኢታዊ ጥራሕ ከምዝኣተወ ዝሓበረ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝተፈላለየ ክልከላታት ብምንባሩ ከምዝተፈጠረ ኣብሪሁ።

ካብ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ብተወሳኪ ኣገልግሎት ባንኪ መብርህቲን ስልኪን እውን ኣካል እቲ ክባን ዕጽዋን ከምዝኮነ ዝሓበረ ጀፈሪ ፌልትማን እቲ ዘሎ ጠለብ ሓገዝ እክሊ ዝጸዓና መካይን ጥራሕ ብምልኣክ ዝፍታሕ ከምዘይኾነ ገሊጹ።

ፍሉይ ልኡክ ኣሜርካ ኣብ ቀሪኒ ኣፍሪካ ጀፈሪ ፌልትማን ምስ ፕሬዝደነት ነበር ኣባሳንጆ ብሓባር ብምኳን እቲ ኲናት ብዘተ ንምፍታሕ ኣብ ምጉያይ ዝርኸቡ ዋላ እንትኾኑ እቲ ኲናት ግን ብዘተ ክፋታሕ ኣብዘይክእለሉ ብርኪ ከምዝበጸሐ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።