ቀዳምይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ “ናብ ግንባር ከቅንዕ እየ” ድሕሪ ምባሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ኣብ ክንዱኡ ተኪኡ ክሰርሕ ከምዝተወሰነ ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።

ምክትል ቀድማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተኪኡ መንግስታዊ ስራሕቲ ከምዝሰርሕ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጲያ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብ ክንዲ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብደመቀ መኮነን ክስርሑ ዝተብሃሉ ዝርዝር ስራሕቲ እውን ከምዝተውሃቦ ተሓቢሩ።

እንተኾነ ውድብ ብልፅግና ካብ መጀመርትኡ ሕጋዊ ዋላ እኳ እንተዘይነበረ እዚ ሎሚ ዝተገበረ ስግግር ስልጣን እውን ብዙሕ ፖለቲካዊን ሕጋዊን ሕቶታት ዘልዓለ ኮይኑ ሓደ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሂወትን ጥዕናን እናሃለወ ብምክትሉ ክትከኣሉ ዝክእል ኣግባብ ኣብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ከምዘየለ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ኲናት ምምርሓን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ግቡኣትን ዘለዎ እኳ እንተኾነ እዚኦም ክሰርሕ ካልኦት ስልጣናቱ ኣሕሊፉ ክህበሉ ዝክእል ምክንያት ይኹን ሕጋዊ ኣግባብ ከምዘየለ ግን ይግለፅ።

እዚ ትማሊ ብካድረታት ስርዓት መንግስቲ ኢትዮጲያ ሎሚ ድማ ብወሃቢ ቃል እቲ መንግስቲ ዝተወዘዐ ዜና ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምናልባት እውን ካብ ኢትዮጲያ ወጺኡ እዩ ወይ ድማ ፖለቲካዊ ዕልዋ ተፈጺሙሉ እዩ ዝብል ሕቶታትን ጥርጣርን ከልዕል ዝገበረ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ሓደ እዋን ናይ ሬድዮ ኦፕሬተር ብምኳን ጥራሕ ኣብ ኲናት ዝተሳተፈን እዙይ እዩ ዝብሃል ወታደራዊ ዓቅምን ፍልጠትን ዘይብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግንባር ኣምሪሐ ክዋጋእ እየ ምባሉ ህዝቢ ንምልዕዓል እንተዘይኾነ እዙይ እዩ ዝብሃል ወታደራዊ ዓወት ክረኽብን ትርጉም ዝወሃቦን ከምዘይኮነ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።