ኣብይ ኣሕመድ፡ ብዘይ ዝኾነ ሕንከት ዝሕሰው በዓል ክልተ መልሓስ ምዃኑ ማሕበረሰብ ዓለም ክቕበል ከምዝግባእ ፕሮፈሰር ቶንይ ማጋና ገሊጹ።

“ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብይ ኣሕመድ ብተደጋጋሚ ሓሲዩ እዩ” ዝብለ ፕሮፌሰር ዮንይ ማጋና ኣብ ፈለማ ምእንቲ ትግራይ ሕጊ ናይ ምክባር ወፍሪ የካይድ ኣለኹ ኢሉ ዝጀመረ ዋላ እንተኾነ ብተግባር ግና ጥምየት፣ መቅተልቲ፣ ጆኖሳይድን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣዊጁ እዩ ኢሉ።

ኣብ መጻሓፍ ቅዱስ ሰይጣን ብተመን ተመሲሉ ናይ ሓሶት ቃል ብምእታው ሰብ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ እግዚብሄር ክዕምጽ ከምዝገበረ ዘዘካከረ ፕሮፌሰር ቶንይ ማጋና ልክዕ ከምዚ ክልተ መልሓስ ተመን ኣብይ ኣሕመድ እውን ብዘይሕንኸት ክሕስው ከምዝጸነሐ ገሊጹ።

ኣብ ቀረባ ዝግበሩ ዘሎ ጻዕሪታት ዘተ ተበሊጹ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ትግራይ ክቀትል ከምዝፈተነ ዝሓበረ እንትኸውን ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ዘይእምን ባህሪ ኣብይ ኣሕመድ ኣቅልቦ ክህበሉ ጸዊዑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ብሓደ ወገን ንዘተ ቁርብ እየ እናበለ ሽምገልቲ ብኣየር ናብ መቐለ እናለኣከን ብካሊእ ወገን ድማ ክሽምግሉ መቐለ ዝኣተው ልኡኻት ድሕሪ ምውጾኦም ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ደብዳብ እናሳለጠ ዝርኸብ እንትኸውን ንዘተ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ቁርቡነት ከምዘይብሉ ግልጺ ዝገብር ተግባር ከምዝኮነ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።