“ባህሊ ምትሕግጋዝ ብምዕባይ ወረርቲ ሓይልታት ዝደገሱልና ምፅናት ዘርኢ ክነበርዕኖ ይግባእ” ክብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ጸዊዑ።

ህዝቢ ትግራይ በቢምዕራፍ ታሪኹ ፈተናታት ናብ ዕድል ዝቕይረሎም ዓርሰ-ምርኮሳ፣ ምኽንያታውነት፣ ፀዋርነትን ጅግንነትን ክብርታት ከምዘለዎ ዝሓበረ ሰሙናዊ መግለፂ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብምኽንያት ዕፅዋ ንዓፀቦ ዝተቓልዑ ወገናትና ብምትሕግጋዝ ክንበፅሐሎም ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ፀዊዑ።

ፋሽስት ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኸፈቶ ስነ-ልቦናዊን ኣካላዊን ወራር ንምብርዓን እዞም ክብርታት ከምእምነ ኩርናዕ ከምዘገልገሉ ሓቢሩ።

ብሰንኪ ኩለመዳይ ዕፅዋን ክባን መንግስቲ ኢትዮጵያ ህዝቢ ትግራይ ንከቢድ ማሕበረ-ኢኮነሚያዊ ቅልውላው ምቅልዑ ብምጥቃስ ሰብ ሰራሕ ብድሆታት ተሓባቢሩ ሰጊሩ ብግንባርን ደጀንን ደመኛታት ፀላእቱ ይሕምሽሽ ምህላው ገሊፁ።

ሓዱሽን ነባርን ወለዶታት ትግራይ ተመጋጊቦም ብዘደንቕ ፅንዓትን ጅግንነትን መንነቱ ንምውሓስ ዘካይዶ ዘሎ ፍትሓዊን ተቐባልነት ዘለዎን ህዝባዊ ኲናት ብዓወት ንምኽንባት ይረባረብ ከምዘሎ መግለፂ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሓቢሩ።

ኣብዚ ፈታኒ እዋን ሰብ ሰራሕ ዓፀቦ ሕብረተሰብ ነንባዕሉ ብምድግጋፍን ኣብ ምሒር ጥሜትን ዓፀቦ ዝርከቡ ወገናት ብምትሕጋዝን ፀላእትና ዝደገሱልና ምፅናት ዘርኢ ከነበርዕን ከምዝግባእ ኣብሪሁ።

ብወረርቲ ሓይልታት ንዝተፈናቐሉን ኣብ ኣፍደገ ሞት ንዝርከቡን ወገናት ቀልጢፍና ክንበፅሐሉ ዝሓተተ እቲ መግለፂ እቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ጥሜትን ዓፀቦን ህዝቢ፣ ትካላት ሃይማኖትን ሓፋሽን ሲቪል ማሕበራትን ብናይ ሓባር ቅልፅም ንምብዳህ ክስራሕ ፀዊዑ።

ከምኡ እውን ከጋጥም ዝኽእል ወቕቱ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ዝበፅሑ ዝራእቲ ጉድኣት ከየስዕብ ኣብ ገጠር ይኹን ከተማ ዝርከብ ህዝቢን ብምውዳድ ዝራእቲ ብእዋኑ ንምእካብ ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ከምዘድሊ እውን እቲ መግለፂ ጠቒሱ።

ማሕበራት ሓፋሽ፣ ሲቪልን ሓፋሽን ዘካይደኦ ዘለዋ ቃልሲ ኣበርቲዐን ክቕፅላ ዝሓተተ እቲ ሰሙናዊ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተዳዕነነ ክባን ዕፅዋን ንምብርዓን ሰራዊት ትግራይ ዘመዝግቦ ዘሎ ኩለመዳያዊ ዓወታት ብተነፃፃሪ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ደመኛታት ፀላእትና ኣብ ዝግበር ዘሎ ኩለመዳይ ተጋድሎ ነፍሲወከፍ ትግራዋይ እጃሙ ከበርክት ፀዊዑ።