ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ኮነ ተባሂሉ ብትካላዊ መንገዲ ይስረሓሉ ከምዘሎ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃገረስብከት ዓዲግራት ኣፍሊጣ።

ብትግራዋይነቶም ጥራሕ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዕላዊ ጅምላዊ ማእሰርትን ምግፋዕን ደው ክብል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃገረስብከት ዓዲግራት ኣተሓሳሲባ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ወረርቲ ሓይልታትን ብትካላዊ መልክዑ ጥይት፣ ፆታዊ ዓመፅን ጥሜትን ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃም ትግራይ ንኩለመዳይ ዕንወት ከምዘቃልዑን እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይነት ዘቕነዐ ምፅናት ዘርኢ ሎሚ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታት እታ ሃገርን ዕላዊ ብዝኾነ መንገዲ ይቕፅለሉ ምህላው ከምዘተሓሳሰባ ሓቢራ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኸፈተ ወራር ብጅምላዊ ጨፍጫፍ፣ ፆታዊ ዓመፅ፣ ዕንወት ትካላት እምነትን ሃፍትን ኮነ ተባሂሉ ህዝቢ ትግራይ ንምንፃት ከምዝተሰረሐ ገሊፃ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝቕፅል ዘሎ ኩለመዳይ ዕፅዋ ህዝቢ ንጥሜት፣ ስእነት ሕክምና፣ ርክብን ካልኦት መሰረታዊ ግልጋሎታትን ብምቅልዑ እቲ ምፅናት ዘርኢ ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ኣፍሊጣ።

ብተወሳኺ እውን ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታት እታ ሃገርን ዝነብሩ ተጋሩ ብምኽንያት መንነቶም ጥራሕ ብጅምላ ይእሰሩን ይጋፍዑን ምህላዎም ዝሓበረት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃገረስብከት ዓዲግራት እዚ ተግባር ምፅናት ዘርኢ ጠጠው ንክብል ተጣበቕቲ ሰብኣውነትን ሰብኣዊ መሰላትን ብዕቱብ ክሰርሓ ሓቲታ።

ኣብ ትግራይ ምፅናት ዘርኢ ኣይተፈፀመን ዝብል ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታትን ዘውፅእዎ ፀብፃብ ኣብ መሬት ዘሎ ነባራዊ ሓቂ ዘየርኢን ንወንጀለኛታት ዘተባብዕን ምዃኑ እቲ መግለፂ ጠቒሱ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ፈፃሚ ኣካል እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ምፅናት ዘርኢ ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ መግለፂ ዝርዝር ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዕታት ብዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ ትካል ክፃረ እውን ፀዊዑ።