ተስፋ ቆሪፁ ኣብ ምብትታን ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ከተማ ደብረብርሃን ዓውደ ውግእ ንምግባር ይሰርሕ ምህላው ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ ራዕዲ ዝርከብ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኣብዪን ንሓላፊ ፀጥታ ከተማ ደብረብርሃን ምእሳሩን ኣብታ ከተማ እዋን እቶ እቶ ብምእዋጅ ህዝቢ ናብ ራዕዲ ንምእታው ይንቀሳቐስ ምህላው ተፈሊጡ።

ፋሽስታዊ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድን መላፍንቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ ምፅናት ዘርኢ ተሓታትነት ንምርግጋፅን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ክባን ዕፅዋን ብምብርዓን ድሕንነት ህዝቡ ንምውሓስ ብተደራራቢ ዓወት ዝግስግስ ዘሎ ሰራዊት ትግራይ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ቃልሲ ምብፅሑ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ህዝቢ ትግራይ ፀላእቱ ንምቕባር ዘካይዶ ዘሎ ኩለመዳይ ቃልሲ ናብ ወሳኒ ምዕራፍ ይሰጋገር ምህላው ዝሓበረ እቲ መግለፂ ሰራዊት ትግራይ ፋሽስታዊ ስርዓት ሙሉእ ብሙሉእ ንምቕባር ኣብዘኽእል ኣገዳሲ ምዕራፍ ምብፅሑ ኣብሪሁ።

ኣብዚ ኣገዳሲ ወተሃደራዊ ወፍርታት ኣብ ኩሎም ከባብታት ሰላማዊ ህዝቢ ጉድኣት ከይበፅሖን ሃፍትን ንብረትን ህዝቢ ከይዓኑ ብፍላይ ከተማታት ኣምሓራን ዓፋርን ማእኸላት ውግእ ከይኾና ሰራዊት ትግራይ ኣገዳሲ ጥንቃቐ ክገብር ምፅንሑ ገሊፁ።

እዚ ዝተገንዘበ ህዝቢ ኣምሓራን ዓፋርን ህዝባዊነት ሰራዊት ትግራይ ብተግባር ኣፍልጦን ምስክርነትን ይህብ ምህላው ዝጠቐሰ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ እቲ ህዝቢ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ትግራይ ብምዃን ኩለመዳይ ድጋፉ ይህብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እዚ ፀረ-ኩሎም ህዝብታት ዝኾነ ኣረሜናዊ ስርዓት ውግእ ሰላማዊ ህዝቢ ኣብ ዝርከበሉ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ክኸውን ይፅዕር ምህላው ኣፍሊጡ።

ብልዑል ጥንቃቐን ብልሓትን ኣብ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ ከተማታት ዓፋርን ወሎን ፋሽስታዊ ስርዓት ኣብዪ ብወተሃደራዊ ነፈርትን ሰብ ኣልቦ ድሮንን ብምጭፍጫፍ ህዝቢ ክሃልቕ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

እዚ ዕቡይ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ ሓመደ ድበ ክሳብ ዝኣቱ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከምዚ ዓይነት ግፍዕታት ይቕፅለሉ ብምህላው ዝበፅሕ ጉድኣት ንምንካይ ሰራዊት ትግራይ እቲ ስርዓት ኣብ ሓፂር እዋን ንምዕናው ይረባረብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ስርዓት እንትፈርስ ስርዓት ኣልቦነት፣ ስርቂ፣ ወራር ንብረት ህዝብን መንግስትን መሰል ገበናትን ከጋጥሙ ከምዝኽእሉ ገሊፁ።

ኣብ ቀረባ ፀላኢ ዓውደ-ውግእ ዝገበራ ከተማ ሽዋሮቢ ሰራዊት ትግራይ ብልዑል ጥበብ ተቖፃፂሩ ንቕድሚት ምስኣምረሐ ብውልቀን ብዝተወደበን መልክዑ ንብረት ህዝብን ውልቀን ከምዝተወረረ ብምጥቃስ ካብዚ ኩነት ፖለቲካዊ ከስቢ ንምርካብ ዝግበር ፃዕሪ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

ንቐፃሊ እውን ኣብ ዝኾነ ይኹን ህዝቢ ተመሳሳሊ በደል ክበፅሕ ከምዘይፈቅድ ዝጠቐሰ መግለፂ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ህዝቢ ጉድኣት ከይበፅሕ ዝካየድ ውግኣት ካብ ከተማ ወፃኢ ንኽኾን ዝከኣል ፃዕሪ ከምዝግበር ኣብሪሁ።

እቲ መግለፂ ወሲኹ ብፃዕሪ ሰራዊት ትግራይ ጥራሕ ምውሓስ ስለዘይከኣል ህዝቢ ተወዲቡ ቤት-ንብረቱ ክሕሉ ከምዝግባእ ብምሕባር ብፍላይ ህዝቢ ደብረ ብርሃንን ካልኦት ከተማታትን ከተምኡ፣ ንብረቱ፣ ፋብሪካታትን ትካላትን ጉድኣት ከይበፅሐን ብዝተወደበ መልክዑ ክሕሉ ፀዊዑ።

ብተወሳኺ እውን ኣመራርሓታት ጣብያ፣ ወረዳን ቤት ማዘጋጃን ዝፈርስ ዘሎ ስርዓት ስዒቦም ካብ ዝጎዩ ተረጋጊዖም ሰላምን ፀጥታን ህዝቦም ኣብ ምውሓስ ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ቃሉ ዝዓፅፍ ፀረ-ህዝቢ ስርዓት ዝምከሐሎም ዝተስዓሩ ጀነራላቱን ንሶም ዝመርሕዎ ስሩዕ ሰራዊትን ክፃወሮ ዘይከኣለ ኲናት ክበሃል ሰሚዑ “ኣነ ወፊረ ኣለኹ” እናበለ ህዝቢ ብምድንጋር ሲቪላት ካራን ጎዘሞን ኣትሒዙ ክወፍሩ ይገብር ምህላው ጠቒሱ።

ሰራዊት ኣብዪ ብዝኽእሎ ዓቕሚ ደብረብርሃንን ካልኦት ከተማታትን ዓውደ-ውግእ ንምግባር ይፅዕር ምህላው ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ሓቢሩ።

ሰላማዊ ኣማራፂ ሙሉእ ብሙሉእ ብምዕፃው ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ንምውጋእ ብምውሳን ድፋዕ ይኹዕት ከምዘሎ ገሊፁ።

እዚ ድፋዕ ክዋገአሉ ድዩ ወይ ክቕበረሉ ፅባሕ ዝረአ ከምዝኾነ ዝሓበረ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ ተግባር ክቃወምን ይኣክል ክብል ፀዊዑ።

ብኻሊእ ዜና ኣብ ራዕዲ ዝርከብ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኣብዪን ንሓላፊ ፀጥታ ከተማ ደብረብርሃን ምእሳሩን ኣብታ ከተማ እዋን እቶ እቶ ብምእዋጅ ህዝቢ ናብ ራዕዲ ንምእታው ይንቀሳቐስ ምህላው ተፈሊጡ።