ኣንፃር መንነት ተጋሩ ዝግበር ዘሎ ማእሰርትን ጭዉያን ደዉ ንኽብል ዝፅዉዕ ሰልፊ ኣብ ስዊድን ከተማ ስቶክሆልም ተኻይዱ።

ኩናት ትግራይ ብዓወት ተጋሩ ከም ዝዛዘም ተረዲኦም ኣንፃር እቲ ብሄር ዝተልዓሉ መንግሰቲ ኣብይን መላፍንቱን ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ ብምባል ኣብ ልዕሊ ገበን ‘ገበን እናወሰኸ ኢትዮጲያ ትበሃል ዓዲ ንተጋሩ ሕነሹሽ ኮይና ትርከብ።

ብትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ሓደ ብሄር ጥራሕ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ደዉ ንኽብል መንግስቲ ትግራይ ፤ ዲያስፖራ ተጋሩ ፤ ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰበኣዊ መሰላት ሓዊሱ ፃዉዒት ተቐረቡ እቲ ስርዓት ግን ኣጠናኺሩ ቀፂልሉ ይርከብ።

ነዚ ከይዲ ስርዓት መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝቃወም ድማ ኣብ ኣብ ስዊድን ከተማ ስቶክሆልም ዝነብሩ ተጋሩ ድምፆም ንምስማዕ ካብ ኣፍደገ ባይቶ ስዊድን ጀሚሩ ክሳብ ማእኸል ከተማ ስቶክሆልም ዝተዘርገሐ ሰለፊ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

እቶም ንመንግስቲ ኢትዮጰያ ተቓዉሞኦም ብቓንቃ ስዊዲሽ ዘስምዑ ተጋሩ ካብ ዝስምዕዎም ጭርሖታት ትግራዋይነት ገበን ኣይኮነን፤ መንግሰቲ ስዊድን ንተግባር መንግሰቲ ኢትዮጲያ ይቃወም፤ ሰለማዉያን ሰባት ምህዳን ጠጠዉ ይበልን ዝብሉን ካልኦትን ይርከብዎም።

ካልእ ኣብቲ ሰልፊ ካብ ዝተሰምዑ መደረታት ድማ ፀላእቲ ኣብ ኣጋ ዕርበቶም ነቲ ናይ መወዳእታ ዝብልዎ ዓቕሞም ንምጥቃም ብመሪሕነት ኣብዪ ኣሕመድ ብሓዱሽ ኣወዳድባ ይወፍሩ ብምህላዎም ከም ተጋሩ ድማ መሊኦም ክሳብ ዝቕበሩ ርበሪብና ከይበልና ቃለስና ክነሐይል እግባእ ኢሎም።

ብተወሳኺ ድማ ነቲ ቅድም ኢሉ ብመንግስቲ ትግራይ ዝቐረበ ፃዉዒት እቶት ምትእኽኻብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ኩሉ ነባራይ ስዊድን ትግራዋይ እጃሙ ከወፊ ከብሉ እቶም መተሓባበርቲ ኣተሓሳሲቦም።

ዲያስፖራ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ከምቲ ፈለማታት ኩናት ትግራይ ዝገብርዎ ዝነብር ዉዕዉዕ ተቓዉሞ ከካይዱን በቢውዳበኦም ኣብ ሕውየት ትግራይ ገንዘባዉን ንዋታዉን ሓግዞም ከወፍዩ ፃዉዒት ኩሎም ተጋሩ እዩ።