ኣብ ከተማ ሓዉዜን ንኣስታት 400 ፅጉማት ኣዴታት ብዲያስፖራ ተጋሩ ሓገዝ ከምዝተበርከተ ተሓቢሩ።

ብትእዛዝ ምንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋን ክባን ንብኣሸሓት ዝቑፀሩ ብፍላይ ድማ ኣብ ህፃዉንትን ኣዴታትን ዓብዪ ፅልዋ ዘሕደረ እንትኾን ዲያስፖራ ትግራይ ብወገኖም ኣብ ዓፀቦ ንዝርከቡ ወገናት ብዝተፈላላየ መንገዲ ሓገዝ እናገበሩ መፅዮም እዮም።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሕቶን መልስን ንትግራይ ብዝብል ርእሲ ዝተፈላለዩ ተጋሩ ዝተሳተፍሉ ዕላማኡ ኩናት ትግራእ ዘስዐቦ ነቲ ኣብ ሕሱም ጥምየት ዝርከብ ወገን ንምሕጋዝ ብዝተገበረ ምንቅስቓስ ኣብ ከተማ ሓዉዜን ን 400 ትሕቲ ክልተ ዓመት ህፃን ዝሓዛን ካሊእ ፀገም ዘለወን ኣዴታትን ሓገዝ ረኺበን ኣለዋ።

እቲ ካብ ዲያስፖራ ተጋሩ ዝተልኣኸ ሓገዝ ብ ለዛ ትግርኛ ቀዛሕታ ኣቢሉ ዝበፀሐ እንትከዉን ብዓይነት ድማ ምጥንን ሑሩጭ ፊኖን ከም ዝኾነ ተፈሊጡ ኣሎ።

ከተማ ሓዉዜን ካበተን ፀላኢ ዓይኑ ዘዕርፈለንን ብተደጋጋሚ ዘጥቀዐንን ከተማ ሓንቲ እንትትኮን በዚ መዳይ ድማ ብሰንኪ እቲ ወራር ብርክት ዝበሉ ወገናት ከምዘለዉ ከንቲባ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቃልሲ ዲያስፖራ ተጋሩ ዝነኣድ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ ከንቲባ ክሳብ ሐዚ እናገበሮ ዝመፀ ሓገዝ ብምንኣድ እዚ ተግባር ቀፃሊ ክኾን ድማ ተላቡዩ።

እቶም ሓገዝ ዝተገበረሎም ወገናት ብወገኖም ነቲ ዝረኸብዎ ሓገዝ ድሕሪ ምምስጋን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡን ብምግላፅ ‘ከመይ ኣለኻ ኣይትበሎ ገፁ ረኣዮ’ ዝብል ምስላ ብምምሳል ነቲ ዘለዉሉ ኩነታት እንትሕብሩ ብገስጋሳይነት ሰራዊት ትግራይ ከምዝሕበኑን ኣብ ቀረባ እቲ ፀልማት ክመዝግላህን ሰብ ሙሉእ ተሰፋ ኢና ኢሎም።