ብግምባራት ላሊበላን ሰቖጣን ተሃንዲዱ ዝመፀ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ብልዑል ጥበብ ከምዝደምሰስዎ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ገሊፆም።

እቲ 14 ሕዳር 2014 ዓ/ም ብሰለሰተ ኣንፈት ኣብ ግምባራት ላሊበላን ሰቖጣን ስልቲ ሰራዊት ትግራይ ተጠቒሙ ንኽቖርፅ ዝኣተወ ሓይሊ ፋኖ ሕቖኡ ተጎዝዩ ዝበዝሕ ሓይሉ ተድመሲሱ ዝተረፈ ድማ ናዉቲ ዕጥቁን ቁሱላት ሰራዊቱን ራሕሪሑ ክምዝሃደመ ኣብቲ ግምባር ዝተሳተፉ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ንቴሌቭጅን ተዛሪቦም።

ድኹም ሞራልን ትሑት ዓቕምን ተሓንጊጦም ስዕረት ተጎሊቢቦም ዝተመልሱ ሓይልታት ፋኖ ኣብ ኣተኣታትወኦም ብዕልልታን ጋይላን ዓምቢሮም እንተመፁ ኣብቲ ግምባር ዝፀነሐ ሰራዊት ትግራይ በቲ ልሙድ ስልትን ሜላን ዉግእ ተጠቒሙ ሙዉታት፤ቁሱላትን ሙሩኻትን እነትገብሮም በቲ ዉቅዒት ሰምቢዱ ዝሃደመ ንብረት ዝተረፈ ሓይሊ ድማ ኣብ ኢድ ሰራዊት ትገራይ ምእታዉ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ግምባር ዝተሳተፈ ሓይሊ ፀላኢ መቅደላን ቴድሮስን ዝበሃል ብርጌድ ምኻኑ ዝተዛርቡ ኣባላት ስራዊት ትግራይ ፀላእቲ ብረክት ዝበሉ ቁምቡላታት ብሰማይ ይሰድድ ከምዘነበርን ኮይኑ ግና በዚ ዘይተደናገፀ ሰራዊት ትግራይ ዉዳበኡ ብምሕያል ብዝገበሮ ስርሒት ብዓወት መሰስ ኢሉ እዩ።

ካልእ ኣብቲ ዉግእ ዝተሳትፉ ሓይልታት ፀላእቲ ሜላ ዉግእ ዘይኽሉን ትሕቲ ዕድመን እነትኾኑ ካብቶም ብሰራዊት ትግራይ ዝተማረኹ ኣባላቶም ዉሽጢ ሓይሎምን ሓይሊ ሰራዊት ትግራይን ከምዘይመጣጠንን ከቢድ ዉቅዒት ከምዝበፀሖምን መስኪሮም።

መንግሰቲ ኣብዪ ፤ሰራዊት ትግራይ ምስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምፅጋዖም ተታሓሒዙ ዝፈጠረሉ ስንባደ ዕድመን ክእለትን ብዘየገድስ ኩሉ ጥራይ ንኽኸትት ብዘመሓላለፎ ትእዛዝ ብርክት ዝበሉ ወገናት ኣደዳ ቀለብ ኣሞራ ካብ ዝገብሮም ዉዒሉ ሓዲሩ እዩ።