ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ዝበፅሐ ፆታዊ ዓመፅ ከምመሳርሒ ኲናት ምጥቃም ግቡእ ፍርዲ ክወሃቦ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ፀዊዑ።

ንፆታዊን ሓድነታዊን ማዕርነት ህዝብታት ልዑል ዋጋ ዝኸፈላ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራ፣ ብፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ፋኖን ርእሰን ኣድኒነን ተሰከምቲ ወፅዓ ክኾናን ክዋረዳን ፆታዊ ዓመፅ ከምመሳርሒ ኲናት ከምዝተጠቐሙሉ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ቅነ ምክልኻልን ግብረመልስን ፆታዊ ዓመፅ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ህፃውንቲ ተምሃሮ ሰራሕተኛታት መንግስትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ሰብ ሓዳርን ኣዴታት ሃይማኖትን ብሓይሊ ተዓሚፀን ናብ ማህፀነን ግኡዝ ነገር ብምእታው ወለዶ ትግራይ ከይትክኣ ብዝተዋደደ መልክዑ ብልፍንታዊ ወረርቲ ሓይልታት ከምዝተሰረሐሉ እቲ ማሕበር ጠቒሱ።

ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ኣካለን ብሕሱም ጉጅለኣዊ ምድፋር፣ ብመውቃዕቲን ብብረትን ክጎድላ ተጌሩ ብግፍዒ ከምዝተቐተላ ዝሓበረ እቲ መግለፂ ብህይወት ዝተረፋ እውን ከቢድ ስነ-ልቦናዊ በሰላ ከምዝበፀሐን ኣፍሊጡ።

መግለፂ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ምእንተ ነፃነት ኤርትራ ኣብ ጎቦታትን ሽንጥሮታትን ኤርትራ ህይወተን ከምዘይገበራ ኣካለን ከምዘየጉደላን ሰራዊት ኤርትራ ትማሊ ኣዴታቶም ምስ ዘራኸሱን ዝሓረዱን መሰል ኤርትራውያን ንምዕምፃፅ ግፍዕታት ዘውረዱሉ ሓይልታት ተላፊኑ መሰል ኤርትራውያን ብቃልሳ ንዘረጋገፀት ኣዶ ትግራይ ፆታዊ ዓመፅ ከምመሳርሒ ኲናት ምጥቃሙ ሓቢሩ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ መጋበርያ እቶም ፆታዊ ዓመፅ ከምመሳርሒ ኲናት ዝተጠቐሙ ሓይልታት ብምዃን ምስ ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝሃብዎ ብይን ኣትሪሩ ከምዝቃወም ብምሕባር ትግራይ ካብ ከበባን ዕፅዋን ተካይዶ ዘላ ህዝባዊ ቃልሲ ልዑል ክብሪ ከምዝህቦ ኣፍሊጡ።

ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ብቃልሰንን መሰለን ከምዘረጋግፃ ከምዝኣምን ዝጠቐሰ እቲ መግለፂ ማሕበረሰብ ዓለምን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ዓሚቕ ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ፍትሒ ክረኽባ ኣብ ቅነ ምክልኻልን ግብረመልስን ፆታዊ ዓመፅ ኮይኑ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቲቱ።