ስርዓት ኢትዮጵያ ካብ ሱሩ ሚሒኻ ንምድርባይ ኩሉ ትግራዋይ ናብ ቃልሲ ክፅምበር ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ፀዊዑ።

ኣብ ትግራይ ተደጋጋሚ ደብዳባት ኣየርን ድሮንን ዘካይድ ዘሎ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ደብዳብ ድሮን ኣካይዱ እዩ።

ነበርቲ ከተማ መቐለ እቲ ዝተኻየደ ደብዳብ ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ሰላማውያን ሰባት ዘቕነዐ ብምዃኑ መቐፀልታ ትልሚ ምፅናት ዘርኢ ተጋሩ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ገባቲ ሓይሊ ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራ ብምውዳድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀምዎን ዝፍፅምዎ ዘለውን ምፅናት ዘርኢ ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ህዝብታት ዘብፅሕዎ ዘለው ግፍዕን ስቓይን ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ከምዝኾነ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ መግለፂኡ ጠቒሱ።

ዓለምለኻዊ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ፍትሒን ተሓታትነትን ምፅናት ዘርኢን ገበን ኲናትን ንምርግጋፅ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድን መሻርኽቱን ናብ ሕጊ ዝቐርብሉ መስርሕ ንምፍጣር ግቡኡ ክፍፅም ከምዝግባእ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ገሊፁ።

ብኣንፈታት ሰሜንን ደቡብን ዝርከቡ ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ብመንግስቲ ትግራይ ዝምራሕ ሰራዊት ትግራይ ብተፈጥሯዊን ሰብ-ሰራሕን ፀገማት ዘይብዳህ ህዝቢ ትግራይ ኢድን ጓንትን ብምዃን ወረርቲ ሓይልታት ይሕምሽሽ ምህላው ኣብሪሁ።

ጉጅለ ኣብዪ ኣሕመድ ህዝቢ ኣደናጊሩ ብምምራሕ ካብ ሞትን መቑሰልትን ካብ ብሱል ጥረ ዝተረፉ ዕሱባት ሰራዊቱ ኣኸቲሉ ንህልቀት ህዝብታት ይሰርሕ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ መግለፂ ህዝቢ ኢትዮጵያ ደቁ ናብ ዘይምልከቶ ኲናት ክሰድድ ከምዘይብሉ ምዒዱ።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝተኻየዱ ዓውደ-ውግኣት ብዝበፀሖ ስዕረት ከንሳእርር ናብ ዘይኽእለሉ ብርኪ ዝወረደ ፋሽስታዊ ሓይሊ ኣብ ትግራይ ከምኡ እውን ንከተማ ደሴ ሓዊሱ ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን ደብዳባት ኣየርን ድሮንን ብምክያድ ሰላማውያን ሰባት ይጭፍጭፍ ብምህላው ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኣክል ክብሎ ከምዝግባእ እቲ ቢሮ ሓቢሩ።

እዚ ጅምላዊ ደብዳብ ጉጅለ ኣብዪ ኣሕመድ ፀረ-ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ዝጠቐሰ እቲ መግለፂ ሉኣላውነት ሃገር ንግዳማዊ ሓይልታት ኣሕሊፉ ብምሃብ ረብሓ ሃገር ዝሸጠ ብምዃኑ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣንፃር እዚ ፋሽስታዊ ጉጅለ ክለዓል ፀዊዑ።

ህዝቢ ትግራይ ኩለመዳይ ዓቕምታቱ ብምውዳድ ምፅናት ዘርኢ ዝበየነሉ ስርዓት ንምድምሳስ ሰራዊት ትግራይ ምስ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ብሓባር ኣብ መዛዘሚ ምዕራፍ ቃልሲ ከምዝርከብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ከምኡ እውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ህዝባዊ ቃልሲ ብምውጋን ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከብ ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብዪ ኣሕመድ ንምሕምሻሽ ኣካል እቲ ቃልሲ ኮይኖም ንምርግጋፅ ፍትሕን ተሓታትነትን እጃሞም ከበርክቱ ፀዊዑ።