ብርክት ዝበላ ሃገራት፡ ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ እናሓየለ ብምምፅኡ ዜጋታተን ካብ ኢትዮጵያ ክውፁ ፃውዒተን ከምዝቐፀላ ተገሊፁ።

ጃፓን ዜጋታታ ካብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክወፁ ፃውዒት ኣቕሪባ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ጃፓናውያን ብህፁፅ ክወፁን ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊኦም ዝበፅሐ ጉድኣት ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይረኸበን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጃፓን ዮሺማሳ ሀያሺ ገሊፁ።

ጃፓን፡ ናብዚ ውሳነ ዝበፅሐት፡ ወተሃደራዊ ሰብ ሞያ ናብ ኢትዮጵያ ብምልኣኽ ነቲ ኩነታት ድሕሪ ምግምጋም ከምዝኾነ ሓቢራ።

ብተመሳሳሊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ግሪክ ዜጋታቱ ካብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክወፁ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ፡፡

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ግሪክ፡ ኩነታት ኢትዮጵያ ቅልውላው ኲናት ብዘይተገመተ መገዲ ክውስኽ ተኽእሎ ከምዘሎ ብምጥንቃቕ ዜጋታቱ ብህፁፅ ካብታ ሃገር ክወፁ ፀዊዑ።

ከምኡ እውን ዜጋታት ግሪክ ናብታ ሃገር ዝገብርዎ ጉዕዞ ክስርዝዎ ኣብታ ሃገር ክፀንሑ ዝደልዩ ዜጋታት ድማ ምዕባለታት እናተኸታተሉ ምንቅስቃሶም ክግድቡ እኹል ዝኾነ ምግቢ ማይን ነዳድን ክኽዝኑ ኣጠንቂቁ፡፡

ቅድም ክብል ኣውሮፓን ኣሜሪካን ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዜጋታተን ካብ ኢትዮጵያ ንኽወፁ ከምዝፀወዓ ዝፍለጥ እዩ።