ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ኣብይ ኣሕመድ ዝተወሃቦ ናይ ሰላም ሽልማት ኖቤል ክምጠል ኣለዎ ክብል፣ ነበር ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢንግሊዝ ጀርሚ ሃንት ሓቲቱ።

ነበር ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢንግሊዝ ጀርሚ ሃንታ ኣብ 2019 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ዝተወሃቦ ሽልማት ዝምልሰሉ ግዜ ከመዝኮነ ተዛሪቡ።

ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቪኪ ፎርድ ኣብ ዘቅረቦ ሕቶ ኣብ ትግራይ ጆኖሳይድ ይፍጸም ኣሎ እዩ ዝብለ ጀርሚ ሃንት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍጽሞ ዘሎ ጆኖሳይድ ጠጠው ክሳብ ዘብል ናብታ ሃገር ዝልኣክ ዓለም ለኻዊ ሓገዝ ደው ክብል ምስ ሕብረት ኣውሮጳን ኣሜርካን እንታይ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ክብል ዝሓተተ እንትከውን “ብስሩ ግን ንምንታይ ክሳብ ሐዚ ናይ ሰላም ሽልማት ኖቤል ምስኡ ክህልው ኪኢሉ? እዚ ሽልማት ዝምጠለሉ ግዜ ሐዚ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ክእውጆ ንሓሰቦ ኲናት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዕርቂ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ናይ ሰላም ሽልማት ኖቤል ዝትወሃቦ እንትኸውን ሐዚ ግን ማሕበረሰብ ዓለም ውዲትን ተግባርን ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ዝተረደኣሉ እዋን ዝተወሃቦ ሽልማት ክምንጠል ተደጋጋሚ ጻዊዒት እናገበረ ይርከብ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ካብ ዝእውጅ ናብዚ ኣብ ውሽጥን ኣብደገን ኣብ ኣዚዩ ከቢድ ዲፕሎማሲያዊ ኪሳራ ከምዝወደቐ ዝፍለጥ እዩ።