ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰራዊት ትግራይ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፈጸመ ብ Global and mail ዝቀረበ ጸብጻብ ብመረዳእታ ዘይተሓገዘን ስሩዕ ምርመራዊ ጸብጻብ ዘይተኸተለን ከምዝኮነ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ሰራዊት ትግራይ ብጾታዊ ዓመጽ ዝከስስ ጽሑፍ Global and mail ብሉሲ ካሳን ጆፌሪ ዮርክን ዝተጸሓፈ ብመረዳእታ ዝይተደገፈ ጸብጻብ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ገረገራ ዝተበሃለ ከባቢ ክልል ኣምሓራ ፆታዊ ዓመጽ ከምዝፈጸመ ዝከስስ ዋላ እንተኾነ ሰራዊት ትግራይ እዚ ተግባር ንምፍጻሙ ዘቅረቦ መረዳእታ ከምዘየለ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ጸብጻብ ‘ዩኒፎርም’ ዝግበሩ ወታደራት ትግራይ እዮም ፈጺሞሙ እትብል ሓንቲ ምስክር ከምዘቅረበ ዋላ ዝተሓበረ እንተኾነ ሰራዊት ትግራይ ግን ስሩዕ ዩኒፎርም ከምዘይብሉን እቶም ጻሓፍቲ ግን እቲ ክሲ ከይጻረዩ ከምዘለዎ ከምዝተቀበሉን እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብሪሁ።

ካብዚ ብተወሳኪ እቲ ጸብጻብ ካብ ብኣግባቡ ብመረዳእታ ዘይተደገፈን ዘየተጻረየን ክሲ ብምብጋስን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ትግራይ ዘለው ካልኦት ከባቢታት ሰራዊት ትግራይ ዘለ ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ተጠቂሙ እዪ ናብ ዝብል መደምደምታ ስሕተት ከምዝኮነ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝፈጸሞም ገበናት ንምኽዋል ሚድያታትን ጋዜጠኛታትን ድገፍቲ ትግራይ ብዝብል ብምፍርራሕን ፍቃድ ብምክልካልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ገበን ከይጽብጽቡ  ከምዝገበረ ዘዘካከረ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ እንተኾነ ሚድያታት ዘይሻራዊ ንምምሳል ገበን ብምክፋልን ብፍጣርን መሰረት ዘይብሎም ክስታት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ የቅርቡ ከምዘለው ኣፍሊጡ።

ብተወሳኪ እቲ ጸብጻብ ምስ ስሩዕ ናይ ምርመራ ከይዲ ዘይተከተለን ብመረዳእታ ዘይተደገፈን ጸብጻብ ኣመንስቲ ኢንተርናሽናል ተመሳሳሊ ከምዝኮነ ቤት ጽሕፈይ ዝምድናታት ትግራይ ዝሓበረ እንትኸውን ሐዚ እውን መንግስቲ ትግራይ ዘይሻራዊ ዓለም ለኻዊ ምጽራይ ክግበር ፍቃደኛ ከምዝኮነን ከምዚ ዓይነት ተግባራት ዘይዕገስን ገበነኛ ኮይኑ ዝተረከበ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ኣካል ናብ ፍትሒ ከምዘቅርብ ኣፍሊጡ።