ስርዓት ኢትዮጵያ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምርቲ ተዓፅዩ ተምሃሮ ናብ ዓውደ ውግእ ንኽዘምቱ ከምዝኣዘዘ ተገሊፁ።

ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከብ ስዑር ኣብይ ኣሕመድ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምርቲ ተዓፅዩ ተምሃሮ ናብ ዓውደ ውግእ ንኽዘምቱ ከምዝኣዘዘ ቴሌቭዥን ድምፂወያነ ፀብፂባ።

ኣብዪ ኣሕመድ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ህዝቢ ብምድንጋርን ንስዕር ኣለና ኢና እናበለ ብርክት ዝበሉ መናእሰይን ትሕቲ ዕድመን ናብ ዉግእ ብምኽታት ኢደዳ ሞትን ስቅያትን እናገበሮም ዝፀነሐ ኾይኑ ሐዚ ድማ ተወሳኺ ህልቂት ንምፍጣር ንኻልኣይ ብርኪ ተምሃሮ ናብ ኲናት ክዳጉኖም ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ ተገሊፁ ኣሎ።

ሚኒስቴር ትምህርቲ ኢትዮጲያ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብዛ ሃገር ዝርከቡ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ተዓፅየን ተምሃሮአን ናብ ግንባር ከኽትታ ከምዝፀወዐ እቲ ፀብፃብ ኣቃሊዑ።

መሊኡ ንኽቕበር ሓንቲ ሓሙስ ዝተረፈቶ ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ኣጥፊአ ክጥፍእ ትልሙ ንምዕዋት ኣብ ግንባር ናይ ዝወፈሩ ወታሃደራት ምህርቲ ንምዕፃድ ብዝብል ጉልባብ ነቶም ተምሃሮ ብሓሶት ኣታሊሉ ናብ ዓዉደ ኩናት የሶጉሞም ከምዘሎ እዩ ተሓቢሩ።

ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዘሎን ዘየሎን ሓይሉ እናኣከበ ናይ ዓቕሊ ፅበት ፋሕጠርጠር ዝብል ዘሎ ኣብይ ኣሕመድ ንገዛ ዕድመ ስልጣዩኑ ንምሕዋይ እምበር ንዝኾነ ሃገራዊ ረብሓ ጠጠዉ ዝበለ ቃልሲ ከምዘየካይድ ዘሎ ፀሓይ ዝወቐዖን ብዙሓት ዝመስከርዎን ሓቂ እዩ።

ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ‘ short memory ‘ እናበለ ዝፅወዖ ህዝቡ ሐዚ እዉን ይኣምኑኒ እዮም ይእዘዙኒ እዮም እናበለ ኣብ ልዕሊ ዘዝቐደመ ካልእ ገበን ይዉስኽ ከምዘሎ ህዝቢ ኢትዮጲያ ክነቅሕን ደቁ ናብ ሓዊ ቅድሚ ምስዳዱ ክሓትትን ከምዝግባእ ድማ ተገሊፁ።