ኣንፃር ስርዐት ኢትዮጲያን ኤርትራን ዘቕነዐ ሰለማዊ ሰልፊ ብዲያስፖራ ተጋሩ ተጓሃሂሩ ኣብ ምስላጥ ይርከብ

ዲያስፖራ ተጋሩ እቲ ኩናት ትግራይ ኣብ መሬት ትግራይ ተጀሚሩ ክሳብ ካብ ናብቲ ሐዚ ዘለሉ ቦታ ክሳብ ዝበፅሕ ንፃት እዉን ጠጠዉ ዘይበለ ድምፂ ተቓዉሞ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት እቲ ኩናት እናጋዉሑ ይርከቡ።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ምስቲ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ናብ ሰራዊት ትግራይ ተፀምቢሮም ኣንፃር ኣሃዳዉያንን ዉልቀመለኽትን ስርዓት ዝቃለስዎ ዘለዉ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝርከቡ ተወለድቲ ክልቲኡ ብሄር እዉን ብግደኦም ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዓለም ፅዕንቶ ንምፍጣር ተዋዲዶም ኣብ ልዕሊ እዞም ተሓተቲ ገበን ጆኖሳይድ ምቅዋም ይርከቡ።

ኣብታ ተወለድቲ ብሄር ኦሮሞ ብበዝሒ ይርከቡላ ትበሃል ግዝኣት ኣሜሪካ ; ሜኖሶታ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ብሄር ተጋሩን ኦሮሞን እዚ ኩናት ካብ ዝግበኦ ንላዕሊ ምፅንሑን ከምሳዕቤኑ ድማ ሂወት ብዙሓት ይቐጥፍ ምህላዉ ነዚ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ሱቑትኡ ክሰብር ክብሉ ተቓዊሞም ኣለዉ።

ኣብቲ ቦታ ካብ ዝተልዓሉ ድምፅታት ድማ ኣብ ትግራይን ተጋሩን ዘነፃፀረ ገበን ጆኖሳይድ ይፍፀም ኣሎ ; ጀዋር ; በቀለገርባን መሰላቶምን ብህፁፅ ይፈትሑ ዝብሉን ካልኦትን ይርከብዎም።

ብተመሳሳሊ እዞም ክልተ ዉፁዓት ብሄራት ኣብ ፍራንክፈርት እዉን ተመሳሳሊ ድምፂ ተቓዉሞኦም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጲያን መሻርኽቱን ኣብፂሖም ኣለዉ።

ኣብዚ ቦታ ካብ ዝተሰምዑ ድምፅታት እዉን ኢትዮጲያ ትበሃል የላን ; ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ኣይሲሲ ; ጥንኩር እገዳ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጲያ ይንበር ; ኣብ ትግራይን ኦሮሞን ደብዳብ ነፈርቲ ምፍፃም ጠጠዉ ክብል ክብሉ ተቓዊሞም ኣለዉ።

ኣብ ክልቲአን ከባቢታት ዝተኻየደ ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጲያን ተሓባበርቱን ድምፂ ቀፃሊ ከምዝኾነን ገበነኛታት ናይ ኢዶም ክሳብ ዝረኽቡን ህዝቢ ፍትሒ ክሳብ ዝነግሰሉን ዕረፍቲ ከምዘይብሎም ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ፓሪስ ፍራንስ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ብሄር ተጋሩ ዲያስፖራ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐፀለ ተቓዉሞኦም ብሓዱሽ ቁጠዐን ሕራነን ኣቃሊዖሞ እዮም።

ዓለም ንኩናት ትግራይ ብሰላሕታ እትዕዘቦ ዘላ ኩነታት ኣዝዩ ግጉይ መንገዲ ከምዝኾነን ሐዚ ኣብ ጠጠዉ ምባል እቲ ሓደጋ ህፁፅ ስጉምቲ ተዘይወሲዳ ተሓታቲት ሕማቕ ታሪኽ ከምእትኾን ብምግላፅ ኩናት ትግራይ ብዘይዝኾነ ቅድመ ኹነት ጠጠዉ ይበል ክብሉ እቶም ተቓወምቲ ድምፆም ኣስሚዖም።

ካብኣቶም ድማ ተጋሩ ምጥማይ ይኣክል ; ኣብ ልዕሊ ሰለማዉያን ሰባት ዝግበር ጨፍጫፍ ድሮናት ብጥብቂ ይወገዝ ዝብሉን ካልኦትን ይርከብዎም።

ካልእ ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተሳለጡ መደባት ካብቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝተፈፀሙ መስካሕከሕቲ ግፍዕታት ሓደ ፀላእቲ ንተጋሩ መናእሰይ ; ሓረስቶትን ቀቲሎም ናብ ገደል ዝወርወርሉ ፍፃመ ዘዘኻኽር ምርኢት ድራማ ኣብቲ ቦታ ንዝተረኸቡ ሰልፈኛታትን ወፃእተኛታትን ኣቕሪቦም።

ካልእ ኣብቲ ቦታ ካብ ዝተረኸቡ ዜጋታት ወፃእተኛታት ናብ መድረኽ ብምዉፃእ ንተጋሩ ኣብ ምትብባዕን ምድጋፍን ኣብ ጎኖም ጠጠዉ ከምዝብሉን ኣብ መደረኦም ኣስሚዖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ብወገኖም ኣብ በሪ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ብምኻድ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ግደ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ዝፅዉዕ ሰልፊ ኣካይዶም እዮም።

ኣብዚ ቦታ መንግስቲ ኢትዮጲዪን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ወጢሮም ከምዝተልዓሉ ብምርግጋፅ ነዚ እዉን ካብ ሓደ ዓመት ዝዘለለ እሞ ድማ መፍትሒ ዘይተናደየሉ ግፍዒ መርኣያ እዩ ኢሎም።

እዞም ክልተ ፈፀምቲ ገበን ጆኖሳይድ ዕላማኦም ንኽሰምር ድማ ደገፍ ዘመናዊ መሳርሒ ኩናት ካልኦት ሃገራት ተሓዊስዎ ብምዃኑ እስራኤል ኣብዚ ጉዳይ ዘለዋ ቅዋም ክተነፅርን ኣብ ምቕራብ ናብ ሕጊ እዞም ገበነኛታት ክትተሓባበርን እቶም ተቓወምቲ ተጋሩ ኣብ ድምፆም ገሊፆም።

ሃገራት ዓለምን መራሕቶም ብዘይ ገለ ዉሱናት ሐብዛሕተን ካብ ቃል የተሓሳስብ ዝብል ግብራዊ ስጉምቲ ዘይምዉሳደን ብቡዙሓት ተጋሩ ቁጠዐን ኣግርሞትን ዝፈጠረ ጉዳይ ዋላ እኳ ተኾነ ; ፍፁም ደዉ ዘይብል ቃልሲ ከምዝካየዱ ናይ ኩሉ ሻዕ መልእኽቲ ተጋሩ እዩ።