ዓለም ለኻዊ ትካል OCHA ሰራሕተኛታትን ሓገዝትን ሰብኣዊ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ከባብታትክኣቱ ኣይከኣልኩን ኢሉ።

ዓለም ለኻዊ ትካል OCHA ብምኽንያት እቲ ዂናት ጉድኣት በፂሕወን እዩ ዝበለን ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ሓገዝ ንምግባር ሰራሕተኛታትን ሓገዝትን ሰብኣዊ ትካላት ክኣትዉ ኣይከኣሉን ኢሉ።

ኣብ ትግራይ ንፈለማ እዋን ካብ ሕዳር 16 ክሳብ ሕዳር 22 ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝሐሸ ሓገዝ ኣትዩ።

ከምኡ እውን 157 ርዳእታ ዝፀዓና መኻይን ናብ መቐለ ዝኣተዋ እንትኾና ድሕሪ 24 ነሓሰ ድማ ናብ ትግራይ ነዳዲ ኣይኣተወን።

ክሳብ ሐዚ 8 ታንከራት ነዳዲ ኣብ ርእሰ ከተማ ዓፋር ሰመራ ተዓጊቱ ምህላዉ ይፍለጥ።

ህዝቢ ትግራይ መቐፀልታ ናይቲ ተኣዊጅዎ ዘሎ ምፅናት ዓሌት ዝኾነ ግልጋሎት ምኽልካል፣ ርዳእታ ዝሓልፈሎም መንገድታት ምዕፃው፣ ደብዳብ ነፈርቲን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጥቕዓትን እንትበፅሖ ሓገዝን ርዳእታን ከይረክብ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣብ ምብራርን ንከይኣትዉ ኣብ ምኽልካል ይርከብ።