ትግራዋይ ኣትሌት ኣማን ፔጥሮስ ኣብ ዝተዓወተሉ ቅድድም ማራቶን ኣእዳዉ ብምጥማር ንስርዓት ኢትዮጵያ ተቓውምኡ ኣስሚዑ።

ትግራዋይ ኣትሌት ኣማን ፔጥሮስ ቕድሚ ሕዚ ኣብ ኢዱ ዝፀንሐ ናይ ሃገረ ጀርመን ማራቶን ሪከርድ (2:07:18 ማይክሮ ሰከንድ ፤ሓድሽ ዓወት ብምምዝጋብ ናብ 2:06:27 ማይክሮሰኮንድ ሓድሽ ሪከርድ ኣመሓይሽዎ።

ኣትሌት ኣማን ቅድሚ እቲ ውድድር
“ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ሆቴለይ ኮፍ ኢለ ንፅባሒትኡ ብዘዓባ ዝነበረኒ ቅድድም ማራቶን እሓስብ ነይረ። ድምፂ ኣደይ ካብ ዘይሰምዕ ካብ 4 ክሳብ 5 ሰሙናት ኮይኑ ነይሩ።

ስድራይ ምግቢ ይህልዎም ዶ፣ ማይ ይረኽቡ ዶ ዝብል ስግኣት የሻቕለኒ ነይሩ። ግን ድማ ስግኣተይ፣ ሓዘነይ ተፃዊረ ምእንቲ ስድራይ ክጎዩ ኢሉ።

ምእንቲ እቶም ድምፆም ዘይተሰምዐ ክጎዪ እየ። ሐዚ እውን ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝተለወጠ ነገር የለን ኢሉ።

ምእንታኺ ክጎዪ እየ ኣደይ፣ ምእንተ እቶም ዝተረስዑን ድምፆም ዘይስማዕን ክብል ክጎዪ እየ።” ክብል ኣብ ፌስቡክ ገፁ ጠቂዑ ነይሩ።

ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ ኣብቲ ቅድድም ማራቶን ነቲ ብባዕሉ ተታሒዙ ዝነበረ ሪከርድ ሰይሩ እንትዕወት ድማ ክልተ ኣእዳው ብምጥማር ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ዘሎ ምፅናት ዓሌት ተቓዊሙን ድምፂ ህዝቡ ኮይኑን እዩ።