ኣብ ዝባን መርከብ ኲናት፡ ኮይኑ ትግራይ ትዕወት ኢሉ ዝጨረሐ ሰብኣይ መዘራረቢ ኮይኑ።

ኣብ ሓንቲ ዋንነታ ናይ ኣሜሪካ ከምዝኾነት ዝተገለፀት መርከብ ውግእ ተሳፊሩ ትግራይ ትዕወት ብምባል ዝጨረሐ ኤርትራዊ ኣማኒኤል ኣንደርሰን ንብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ።

ኢማኑኤል፡ ናብ መርከብ ድሕሪ ምሕዃር ኣብ ቅድሚኡ ካሜራ የልዕሎ ምስ ዝነበረ ተዳልየ ኣለኹ ሕጂ ቀፅል ኢሉ ድሕሪ ምዝርራብ፡ ዓው ኢሉ ትግራይ ትዕወት ኢሉ እንትጭርሕ ይስማዕ።

ኢማኑኤል፡ ኣብ ኣሜሪካ ተቐማጢ ሎሳንጀለስ ክኸውን ከሎ ንነዊሕ ዓመት ኣንፃር ስርዓት ኢሳያስ ካብ መንጎ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ሓደ እዩ።

ከምኡ እውን ካብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ጀሚሩ ስርዓት ኢትዮጵያ ምስ ልፍንቲ ሓይልታት ተሻሪኹ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘውረዶ ማእለያ ዘይብሉ ገበናት ኲናት ምስ ተጋሩ የሕዋቱ ብምዃን ክኹንን ክቃለስን ምፅንሑ ዝፍለጥ።

ንልዕሊ 30 ዓመት ብዘይመረፃ ሃገር ብኢደ ወነኑን ብሓይሉን ዝተቖፃፀረን ዝመርሕ ዘሎን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኤርትራ መንእሰይ ኣልባ ከምዝገበራ ይዝረብ።

ብርክት ዝበሉ ብፍላይ መናእሰይን ዲያስፖራን ኤርትራዉያን ነቲ መንነቶምን ፍቕሪ ዓዶምን ከየስተማቕሩ ፀረ መናእሰይ ዝኾነ ስርዓት ኤርትራ ብምቅዋም ኣብ ደገ ኾይኖም ኣንፃሩ እንትንቀሳቐሱ ይረኣዩ።

ኣብ ኩናት ትግራይ እዉን እንተኾኑ ቡዙሓት ኤርትራዉያን ምስ ተጋሩ ተሰሊፎም ንተግባር መንግስቲ ኤርትራ ብምኹናን ሰልፊ ብምዉፃእ ; ደገፍ ገንዘብን ንዋትን ብምዉፋይ ናይ እጃሞም ኣወፍዮም እዮም።

ብኣንፃሩ ድማ ኩናት ትግራይ ደጊፎም ገንዘባዉን ሞራላዉን ሓገዝ ንሰራዊት ኤርትራ እናለገሱ ብዲፕሎማሲ ; ብስነ ጥበብ ; ብሰልፊን ካልኦትን ኣብ ሞት ተጋሩ ዝዕልሉ ድማ መቑፀሪ የብሎምን።

ስለዝኾነ ድማ ከምቲ ኢማኑኤልን መሰላቱን ዝኽተልዎን ዘጋዉሕዎን ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ምእንተ ፍትሕን ናፅነቱን ዘካይዶ ቃልሲ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ በፂሑ ትግራይ ትዕወት ኣላ።