ኣብ ሃገረ እስራኤል ምርኢት ባህሊ ራያ ብነበርቲ እታ ዓዲ ዝኾኑ ራያቶት ተሳሊጡ።

ተወለድቲ ራያ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝነብሩ ዕላምኡ ንሕዉየት ትግራይ ዝዉዕል እቶት መተኣኻኸቢ ንምስላጥ ዝተፈላለዩ ባህሊ ምርኢታት ብምድላዉ ዓብዪ መድረኽ ኣሳሊጦም።

ኣብቲ መድረኽ ብርክት ዝበሉ ተዓደምቲ ኣጋይሽን ራዮቶትን ዝተረኸቡ እንትኾን ጎና ጎኒ ባህሊ ራያ ካብ ምፍላጥ ብተወሳኺ ዕላምኡ ነታ ብፀላእቲ ዝዓነወት ትግራይ መህነፂ ዝዉዕል እቶት ንምትእኽኻብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ዝተፈላለዩ መስተንግዶ ተዳልዩ እቲ ዝመፀ ዕዱም ጋሻ እናተዘናገዐ ኣብኡ ብዝቐረቡ እንግዶት እናተጠቐመ ነቲ ብመንግስቲ ትግራይ ዝቐረበ ፃዉዒት ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምርብራብ ዘኽእል መልክዕ ኔርዎ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ከባቢ ራያ ዝዉግዑ ወግዕታትን ቃላትን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ዘይፍለጡ ተባሂሎም ዝተሓረዩ እዉን ከም ቋንቋ ምልዉዉዋጥን ልምዲ ምክፋልን ክበሃል ዝቐረቡ ትሕዝቶታት ኔሮም።

ካልእ ካብ መለለዪ ባህልታት ራያን ሙዚቃን ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝፍለጡ ዓይነታት ትልሂትን ሙዚቃታትን እዉን ተራእዮም እዮም።

መንግስቲ ትግራይ ቅድም ኢሉ ብዝኣወጆ ፃዉዒት ዳግመ ህንፀት ትግራይ እቶት መተኣኺኸቢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይ ነቲ ፃዉዒት ተቐቢሎም ንዋታዉን ገንዘባዉን ሓገዛት እናወፈዩ ምምፀኦም ይፍለጥ።