ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ተጋሩ ኣንፃር ሃገር ዓረብ ኢምሬትስ ዘቕነዐ ዉዕዉዕ ሰልፊ ኣሳሊጦም።

ዓረብ ኢምሬትስ ንኢትዮጲያ ከም ዋና ዓንዲ ሑቐ ኮይና ካብ መፈለምታ እቲ ኩናት ክሳብ እቲ ሐዚ በፂሑሉ ዘሎ ብርኪ ንኽበፅሕ ገንዘባዊ ; ንዋታዉን ዲፕሎማሲያዉን ደገፍ እናገበረት ዝመፀት ዓዲ እያ።

ነዚ ስዒቡ እዉን መንግስቲ ኢትዮጲያ ነቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘሎ ሓይሊ ሰራዊቱ ብእግሪ ኣኽቲቱ ኣብ መሬት ትግራይ ዝከኣሎ ግፍዒ ጌሩ እንተብቅዕ ሓይሊ ሚዛኑ እናተሸራረፈ ምስ ከዶ በቲ ዘለዎ ናይ ሰማይ ልዕልና ተጠቒሙ ደብደብቲ ዉግእ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከዝንብ ተራእዩ።

ዓረብ ኢምሬት ኣብ ጎኒ ዉፁዓት ዘይኮነትስ ኣብ ጎኒ ገበነኛታት ጠጠዉ ብምባል ኣብ ልዕሊ ታጋሩ ካብ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጲያ ዘይነኣኣስ በሰላ ሓዲጋ እያ።

ነዚ እዉን ካብዚ እከይ ተግባራታ ጠጠዉ ክተብሎን ዝኾነ ዓይነት ናዉቲ ኩናት ሓገዝ ከይትገብርን ክብሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ዝርከቡ ተጋሩ ድምፂ ተቓዉሞኦም እናጋዉሑ ቀንዮም ኣለዉ።

ኣብ ስዊድን ከተማ ስቶክሆልም ዝርከቡ ተጋሩ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ዓረብ ኢምሬት ብምኻድ ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ትገብሮ ዘላ ሓገዝ ንምቅዋምን ኢዳ ካብ ዘርኢ ምፅናት ትግራይ ክተንሳሕብን ክብሉ ተዳሚፆም እዮም።

ኣብቲ ቦታ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ዝተረኸቡ እንተኾኑ ተቓዉሞኦም ብደብዳቤን ብድምፅን ብዝተፈላለዩ ፅሑፋት ባነርን ብቲ ናይቲ ዓዲ ቋንቋ ኣብቲ ኢምባሲ ኣስሚዖም።

ብተመሳሳሊ ነበርቲ ፍራንክፈርት ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ እዉን ብተመሳሳሊ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዓረብ ኢምሬትስ ተርሚናል ክልተ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቦታ ኣንፃር ተግባር ኢምሬት ድምፆም ኣስሚዖም።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ከምኒ ኢምሬት ዝኣመሰላ ሃገራት ብዝገብርኦ ዘለዋ ደገፍ ካብ እዋን ናብ እዋን ዓርሰ ምትእምማኑ እናወሰኸ ይኸድ ከምዘሎን እዚ ደገፍ ዘመናዊ መሳርሒ ጠጠዉ እንተዘይሉ ግፍዒ ምፍፃሙ ከምዝቕፅልን ክፍለጥ ኣለዎ ኣብቲ ቦታ ካብ ዝተሰመዐ መደረ እዩ።

ኣብ ኩናት ትግራይ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኢደን ዘእተዋ ሃገራት ማእኸል እታ ብቐዳምነት ትስራዕ ዓረብ ኢምሬት ምዃና ይፍለጥ።

ብተዛማዲ ዜና ተወለድቲ ብሄር ተግራይን ኦሮሞን ብሓባር ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጲያ ዘቕነዐ ሰልፊ ኣብ ኮሎራዶ ተሳሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ማእኸል ዓዲ ኣብ ልዕሊ ብሄር ኦሮሞ ብፍላይ ድማ ብሄር ተጋሩ ብመንነቶም እናተመመዩ ብጅምላ ዝእሰርዎ ዘለዉ ከይዲ ጠጠዉ ክብል ኣለዎ ክብሉ ብሓባር ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ተሰሚዖም።

ኩናት ትግራይ ካብ መሬት ትግራይ ሉሒኹ ናብ ካልኦት ክልላት ምስጋሩን ኣብ ቀረባ ርሕቐት ኣዲስ ኣበባ ምብፅሑን ተተሓሑዙ መንግስቲ ኢትዮጲያ ነቲ ኣብ ዓዉደ ዉግእ ዘይሰዓሮ ኩናት ኣብ ጣጣ ጉጆኦም ኣብ ዝነበሩ ሰለማዉያን ሰባት ሃፍተ ንብረቶም ይዕሸግ ; ይእሰሩ ; ይጭወዩን ይንገላትዑን ምህላዎም ይፍለጥ።

ስለዝኾነ እዉን መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዘየዳግም ስጉምቲ ክዉሰድን ነዞም ሰለማዉያን ሰባት ህፁፅ መፍትሒ ክግበረሎምን ክብሉ ተዳሚፆም ኣለዉ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገረ ካናዳ እዉን ክልቲኦም ብሄራት ብሕብረት ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጲያ ደዉ ብምባል መንግስቲ ካናዳ ህፁፅ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ገበነኛታት ክወስድ ሓቲቶም።

ብርክት ዝበሉ ወገናት ኣብዘይወዓልዎ ብደብዳብ ነፈርቲ ሂወቶም ንዝሰኣኑ ተጋሩን ኦሮሞን ምፅንዕናዕ ዝተመነዩ እቶም ሰልፈኛታት እዚ ግፍዒ ህፁፅ መፍትሒ ተዘይተገይርሉ ሓደግኡ ከቢድ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣብ ሲያትል ዝርከቡ ተወለድቲ ክልቲኡ ብሄር እዉን ብተመሳሳሊ ሱቕታ ማሕበረሰብ ዓለም ኣዝዩ ከምዘቖጠዖምን ብህፁፅ ሱቑቶኦም ሴሮም ናብ ግብራዊ ስጉምቲ ክኣትዉን ክብሉ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ካብ ኢድ ፀላኢ ነፃ ዘይወፀትን ፀላእቲ ተመሳሳሊ ግፍዒ ዘብፅሑላ ዘለዉ ምዕራብ ትግራይ መሬት ተጋሩ ክለቁን ዓለማትን መንግስታተንን ፅዕንቶ ክፈጥራን ክብሉ እዉን ተሰሚዖም።

መንግስቲ ኢትዮጲያን ደገፍቱን ተሓጋጊዞም ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ገበን ጆኖሳይድ ፈፂሞም እዮም ዝበሉ እቶም ሰልፈኛታት ዓለም ነቲ ገበን ብስሙ ክፅዋዕዎ ከምዝግባእ እዉን ሓቢሮም።

ተወለድቲ ብሄር ትግራይን ብሄር ኦሮሞን ብስምረት ኣብ ደገን ኣብ ዕጥቃዊ ቃልስን ዕድመ ኣሃዳዉያን ንምሕፃርን ካብ ስልጣኖም ንምእላይ ኣብ ምቅላስ ይርከቡ።