ዓለም ለኸ ማሕበረ ካህናት ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ምስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ርክብ ደዉ ከምዘበሎ ሓቢሩ።

ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ዓለም ለኸ ማሕበረ ካህናት ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ምስ ፋሽስታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸሪኹ ኣንፃር ሃይማኖታዊን ብሄራዊን ክብርታት መንነት ትግራይ ብቅሉዕ ዝድግፍ ዘሎ ሲኖዶስ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ርክቦም ደው ከምዘበሉ ኣብ ዘውፀእዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ንቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ዝመርሑ ጳጳሳት በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተገበረ ቅሉዕ ወራርን ጄኖሳይድን ደጊፎም ምስቲ ወራር ዝፈፀመ ፋሺስታዊ ጉጅለ ብምዉጋን ሰራዊት ባሪኾም ከምዝሰነዩ ዝፍለጥ እዩ።

ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ሃገረ ስብከታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እንድሕር ሲኖዶስ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈፀመ ቅሉዕ ጀኖሳይድ ዘይኮኒኖም እታ ቤተ ክርስትያን ንዝፈፀመቶ ትሕብብር ጌጋ ዕላዊ ይቕረታ እንተዘይሓቲታን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ሃገረ ስብከታት ርክበን ደዉ ከም ዘብላ ዕላዊ መግለፂ ምሃበን ይዝከር።