እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጆኖሳይ ዝፈፀመ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ነቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ሃገራት ዝተፀወዐ ኣኼባ ተቓዊሙ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ሃገራት፡ ንጉዳይ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ኣመልኪቱ ንዝቕፅል 17 ሕዳር ፍሉይ ኣኼባ ከምዝፀወዐ ተሓቢሩ።

በዚ ዝሰምበደ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ሃገራት ንዝፀወዖ ፍሉይ ኣኼባ ዘይርደአካን ሽርሒ ዘለዎን ብምዃኑ ከምዘሕረቖ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ መግለፂ፡ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ዝምልከት ፀብፃብ ሑቡራት ሃገራት ዝሓለፈ 24 ጥቅምቲ ከምዝወፀን ብመሰረት እዚ እውን ናብ ትግበራ ከምዝኣተወ ኣረዲኡ።

በምዃኑ እውን ኣብ ጄኔቫ ዝርከብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ሃገራት ንሒደት ሃገራት ፖሎቲካዊ ዕላማ ክበሃል ፍሉይ ኣኼባ ምፅውዑ ግልፅነት ዘይብሉን ኣዚዩ ዘሕርቕን እዩ ክብል ገሊፁ።

መንግስቲ ትግራይ፡ እቲ ብቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝወፀ ፀብፃብ ምስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበናት ፈፂሙ ዘይመጣጠንን ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘዳለወ ከምዝኾነን ተቐባልነት ከምዘይብሉን ምግላፁ ይፍለጥ።

ከምኡ እውን ውድባት ሳልሳይ ወያነ፣ ባይቶናን ውናትን ከሙኡ እውን ሰብሕድሪ ሲቪል ሶሳይቲ ትግራይን ኣመራርሓ ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ  ብመንግስቲ ኣብይ ኣቅራባይነት ዝሽወምን ዝምወልን ከምዝኮነን ኣብቲ ምጽራይ ከይሳተፍን ኣመላኪቶም ነቲ ሓባርዊ ምጽራይ ብምቅዋም ናብ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት  ዝኮና ሚሼል ባችሌት ዕላዊ ደብዳቤ ምጻሓፎም ዝዝከር እዩ።